ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ናብ‘ታ ኲናት ዘየባረየላ ደቡብ ሱዳን፣ ዝከላኸልን ዘረጋግዕን ሓይሊ ንምውፋር ቅሩባት ኣለና ኢለን።ኣቀባሊትና ማርታ ቫን ደርውልፍ፣ካብ‘ቲ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ምዕይ ዘይበለላ ኣዲሳበባ ዝላኣኸቶ ሪፖርት ኣሎ፥በትረ ስልጣን ከቅርቦ‘ዩ፥
ሸምጋላይ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን - ኢጋድ፣በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ነቲ ይቅፅል ዘሎ ውግእ ዝቆፃፀርን ዝከላኸልን ሓይሊ ናብ ደቡብ ሱዳን ንምውፋር ተቀሪብና‘ለና ይብል።
ዝሓለፈ ጥሪ ተፃብኦ ንከብቅዕ ዓሊሙ ዝተኸትመ ውዕል ሰላም ብክልቲኦም ወገናት ብተደጋጋሚ ተጣሒሱ‘ዩ።
ዋና ሸምጋላይ‘ቲ መድረኽ ኣቶ ስዩም መስፍን፣ኢጋድን ሕ/ሃ ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ምውፋር ዓቃቢ-ሰላም ይዘራረብሉ‘ለው ኢሎም።
”ኣቶ ስዩምእቲ ዝዋፈር ሓይሊ ንኣብነት ነዳዲ ዝወፀሉ፣ዝእከበሉን ዝላኣኸሉን ስፍራታት ክሕሉ‘ዩ።ነዳዲ ዓንዲ ሕቆ ቁጠባ ደቡብ ሱዳን ምኳኑ ይፍለጥ። ተናሓናሕቲ ሓይልታት፣ነዞም ትካላት‘ዚኣቶም ንምምንዛዕ ክፍተኑ ይኽእሉ‘ዮም።ስለዚ እቶም ትካላት፣ብዓቃቢ-ሰላም ሓለዋ እንተረኺቦም፣ ኣብ ምርግጋእ ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ” ኢሎም።
ሓሙሽተ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ሰራዊተን ንከዋፍራ ቅሩባት ከምዝኾና ገሊፀን‘የን።ኢትዮዽያ፣ኬንያ፣ሩዋንዳ፣ጂቡቲን ቡሩንዲን።
ኡጋንዳ እቲ ግጭት ድሕሪ ምስተወለዐ ሰራዊታ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ‘ያ።እንተኾነ ብተቃወምቲ ደቡብ ሱዳንን ብኢጋድን ተኾኒኑ‘ዩ። ብድሕሪኡ ዝወፀ መግለፂ፣ኡጋንዳ ሰራዊታ ብመስርሕ ንክትስሕብ ተሰማሚዓ‘ያ ዝብል‘ዩ።
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፣በዝሒን ስልጣንን ዓቃቢ-ሰላም ንምንፃር ይምከረሉ ኣሎ ኢሎም፣
”በዝሒ ዝወፍር ዓቃቢ-ሰላም ምስ ተመሳሳሊ ልእኹቶ ሒዙ ኣብ ካልእ ከከባቢ ዝወፍር ክነፃፀር ከሎ ኣዝዩ ዝዋሓደ‘ዩ ክኸውን።ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከቢድ ፆር ክነንብር ድልየትና ስለዘይኮነ“ ይብሉ።
እቲ ውጥን ንክትግበር ግና ብሕብረት ኣፍሪቃን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃን ተቀባልነት ክረክብ ኣለዎ።
ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምቅፃሉ፣ኣኼባ መራሕቲ ተካይዱ ነቲ መስርሕ ክዘራረበሉ ድልየት ኢጋድ ምኳኑ ኣቀባሊትና ማርታ ቫንዴር ውልፍ ካብ ኣዲሳበባ ዝላኣኸቶ ሪፖርት ይሕብር።