ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛዛሚ ቃለ-ምልልስ ምስ ኣቶ ስየ ኣብራሃን ኣቶ ገብሩ ኣስራትን


Gebru-Asrat
Gebru-Asrat
ኣብ ውሽጢ ህወሓት ክልተ ሓይልታት ኣለው ዝብሉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፣እቲ ሓደ ነባርን ካብ ህወሓት ዝለቀቀን ክኸውን ከሎ፣እቲ ካልኣይ ድማ ብደረጃ ካድረ ዝግለፅ ክፍሊ’ዩ ኢሎም።

ኣቶ ኣባይ ወልዱ ነቲ ትሕት ዝበለ ካድረ ዝውክል‘ዩ፣ከም ኣቶ ስዩም መስፍን፣ኣቶ ኣባይ ፀሃዬን ኣቶ ኣርከበ ዕቁባይን፣ኣብ‘ቲ ምትኽኻእ ገለል ኢሎም ዘለውን፣እዚ‘ውን ቃል ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ስለዝኾነ ናብ ኣመራርሓ ዝምለሱ ኣይመስለንን ኢሎም።

ኣቶ ስየ ኣብራሃ ብወገኖም ”ንጎንፂ ኢትዮዽያን ኤርትራን ዝሕተተሉ መንግስቲ ኤርትራ ምኻኑን፣ካብ ብታንክታት ዝተቆፃፀሮ ከባቢታት ውፃእ እንተተባሃለ ኣይሰምዕን ስለዝበለ ናብ ኲናት ከምዝተኣተወ” ገሊፆም።ኣቶ ስየ ”ንመንግስቲ ኤርትራ ከይጋገዩ‘ውን ይመክር።ኢትዮዽያ ደኺማ‘ያ።ስለዚ ሎሚ ባድመ ረኸብና ኣይረኸብና ኢሎም ከይጋገዩ ይመክር፣ሓደ መዓልቲ ብሰላም ምፍትሑ ዘይተርፍ‘ዩ““ ይብሉ።

”መራሕቲ ኢህወዴግ፣ምጉዳል መለስ እንታይ ማለት ምኻኑ ዕምቆቱ ተረዲኦም፣ንድልየት ህዝቢ ኢትዮዽያ ንምምላስ በሪ ክኸፍቱ ይኽእሉ፣እቲ ካልኣይ ኣካይዳ ናይ ጎነፅ ናይ ባእሲ ኣካይዳ‘ዩ።ካብ ናይ ሙባረክን ጋዳፊን መንግስታት ዝሕይል ኣይነበረን።ናይ ሓደ ፓርቲ ኣካይዳ፣ሰጥ ለጥ ኢልኩም ዝበልኩኹም ስምዑ ዝብል ኣካይዳ ኣይሰርሕን” ይብሉ ኣቶ ስየ ኣብራሃ።
Sye&Gebru
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:06 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG