ዋሽንግተን —
ገበናዊ መጋብኣያ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ናይ ቅድም መራሒ ጋምቢያ ያያ ጃመ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ንዝነበረ ኦስማን ሶንኮ፡ በቲ ዝቐረበሉ ክስታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ን20 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ።
ኣብ 2016 ናብ ስዊስ ድሕሪ ምእታዉ ፈለማ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታት፡ ተጣበቕቲ ደቂ ሃገሩ ብዝመሰረቱዎ ክሲ ግን ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ማእሰርቲ’ዩ ኣምሪሑ።
ኣብ 1988 ናብ ሰራዊት ጋምቢያ ዝተጸንበረ ሶንኮ፡ ካብ 2003 ኣትሒዙ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ድሒሩ ኣብ 2005 ድማ ሓላፊ ፖሊስ ኢንስፔክተር፣ ካብ 2006 ክሳብ 2016 ድማ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝነበረ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ናይ ቅድም መራሒን ውልቀ-መላኺን ያያ ጃመ ድማ ኣዛዚን ኣተግባሪን እቲ ኣሰቀቕቲ ግፍዕታትን ቅትለታትን ምንባሩ ይኽሰስ። ኣብ 2016 ቍሩብ ቅድመ ምብቃዕ ስልጣን ጃመ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ፡ ናብ ኤውሮጳ ብምኻድ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ’ዩ ዑቕባ ሓቲቱ።
ኣብ 1994 ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ያያ ጃመ፡ ነታ ንእሽቶ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ሃገረ ጋምቢያ ክሳብ 2016’ዩ ብሕሱም ምልካዊ ስርዓት መሪሑዋ። ኣብታ ሃገር ብብዙሕ ገበናት ዝደለ ያያ ጃመ፡ ሕጂ ኣብ ኢኳተሪያ ጊኒ’ዩ ዝነበር ዘሎ።
ቅጥዒ