ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ናብ ዱርኩኺት ጥፍኣት ትኣቲ ኣላ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣጠንቂቑ


AMNESTY INTERNATIONAL logo
AMNESTY INTERNATIONAL logo

ኢትዮጵያ ናብ ድርኩኺት ጥፍኣት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊነትን ተምርሕ'ላ ክብልዓለም ለኸ ተሓላቂ መሰላት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ሎሚ አጠንቂቁ።

እቲ ጉጅለ ነዚ ዝበለ ብሰንክ'ቲ ምስ ጎንጺ ትግራይ ዝተተሓሕዘ ዘሎም ዕባለታትእዩ።

4- ሕዳር መንግስቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝቅይድን ንነጻነት ስርዓተ ፍትሒ ዘስግእን ሓድሽ ህጹጽ ሰልጣን ንርእሱ ሂቡ ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተናሽናል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወጹ ዘርኣዊ ጎንጺ ዘተባብዑ ጽሑፋት ምውሳኾምን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሰላማውያን ሰባት ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብረት ከልዕሉ ምጽውዖምን ዘሻቅል'ዩ ኢሉ'ሎ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ቅልውላው ሰብኣዊን ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ካልእ ክፍሊ'ታ ሃገርተጋፊሑ ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል : እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውንጠጠው ንምባል ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕግታትን ምኽባሩ ከረጋግጹ ኣለዎም ኢሎም'ለዉ Deprose Muchena ኣብ ኣምስትኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ምብራቅን ደቡባዊን ኣፍሪቃ።

XS
SM
MD
LG