ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣርባዕተ ምንስቲራቶምን ኣማኸርቶምን 'ፈፂሞምዎ ብዝተባሃለ ገበን ፀረ ሰብኣዊነት' ከምዝከሰሰ ኣብ ስቶኮልም ዝርከብ ትካል ሰብ-ሞያ ሕጊ ገሊፁ።
ሚስተር ፒርስይ ብራት ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቅ”ስዊድናዊ ዳዊት ይስሃቅ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ክእሰር ከሎን ሃለዋቱ ክስወርን፣ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኮፍ ንብለሉ ምኽንያት የለን” ይብል።
ኣብ‘ቲ መዝገብ ክሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ኣቶ ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣቶ ኦስማን ሳልሕ መሓመድ፣ወ/ሮ ፎዝያ ሓሺምን ኣቶ የማነ ገ/ኣብን ከምዝተኸሰሱ እቲ ባዓል ሞያ ሕጊ ይገልፅ።
ኣብ ስቶኮልም ፈፃሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ዮናስ ማናባይሩ ብወገኖም “ ብደረጃ መንግስቲ ሕቶ እንተዝቀርብ ምመለስና፣መራሕትና ኣብ ዘይዋዓልዎ ገበን ብሓደ ዘይፍለጥ ትካል ንዝተበገሰ ክሲ መልሲ ምሃብ ግና ጊዜ ምብኻን‘ዩ” ኢሎምና።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፓርላማ ሽወደን ኣብ ዝኾኑ ኩርናዕ ዓለም ንዝተፈፀመ ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ዝፋረድ ሓድሽ ሕጊ ከምዘሕለፈ ገሊፆም።