ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕሎ ቤት ፍርዲ 2 ስዊድናዊ ጋዜጠኛታትን 2 ኣባላት ኦብነግን ኣብ ኢትዮጵያ


ቃል ምስክራት ተሰሚዑ፣ብይን ንፅባሕ ትፅቢት ይግበር

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮዽያ፣ነቲ ዓቃቢ-ሕጊ ኣንፃር ክልተ ዕጡቃት ግንባር ናፅነት ኦጋዴን ዝባሃሉን ክልተ ስዊድናዊያን ጋዜጠኛታት ኣለኒ ዝበሎ መርተዖታት ቪድዮን ምስክራትን ሎሚ ኣዳሚፁ።

ዓቃቢ-ሕጊ፣ነቲ ክሲ ከራጉደለይ‘ዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ናይ ቪድዮ፣ድምፂን ሰነዳትን ከምዘቅርብ ጠቂሱ‘ሎ።

ቀዳማይ ምስክር ኢንስፔክተር መሓመድ መሓሙድ ብመሰረት ካብ‘ቲ ቤት ፍርዲ ዝቀረበሉ ክሲ ንኣርባዕቲኦም ተኸሰስቲ ብሽምን ብመልክዕን ፈልዮ ኣርእዩ‘ሎ።

ብዘይካ‘ዚ ኣርባዕቲኦም ሰባት ምስ ግንባር ናፅነት ኦጋዴን ብሶማልያ ሓሊፎም ዶብ ሰጊሮም ከምዝኣትው ሓበሬታ ነይሩኒ‘ዩ ይብል ኢንስፔክተር መሓመድ።ኣስዒቡ፣ንሱ ዝመርሖ ኣሃዱ፣ኣኻሲዱ ብምፅናሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸተኸፈተን፣እቶም ክልተ ስዊድናዊያን ኣብ የማናይ ኢዶም ከምዝቆሰሉን ኣፍሊጡ።

ኦብነግ ምስጢር ከይልሑኽ ኢሉ ነቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ከምዝወቅዐ‘ውን ኢንስፔክተር መሓመድ ጠቂሱ።ብመሰረት ምስ ክልቲኦም ዕጡቃት ኦብነግ ዝተገብረ ቃለ-ምልልስ፣ክልቲኦም ስዊድናዊያን ናብ ኢትዮዽያ ዝኣተው ምስ መራሕቲ ኦብነግ ንምርኻብ ኢሎም ከምዝነበረ ፈሊጥና‘ለና ኢሎም።ካልኦት ምስክራት ዝሃብዎ ቃል ተመሳሳሊ‘ዩ ነይሩ።

ዓቃቢ-ሕጊ ንዝቀረበሉ መርተዖ ናይ ድምፂ ዝስማዕ ኮይኑ ስለዘይተረኽበ ፅባሕ ረቡዕ ኣሪሙ ንክቀርብ ተወሲኑ‘ሎ።ቤት-ፍርዲ ፅባሕ ዛዛሚ ውሳነ ክብይን‘ዩ ዝብል ትፅቢት‘ውን ኣሎ።

XS
SM
MD
LG