ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ሽወደን ኤርትራዊ ምዃኑ ዝእመነሉ ዲፕሎማት ክወጽእ ሓቲቶም


Burundi Unity day
Burundi Unity day

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ኤርትራ ከም ሓላፊ ኮማውን ውድባውን ጉዳያት ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቶ ተኽለ መንግስቱ ኣብ 48 ሰዓታት ካብ`ታ ሃገር ክወፅእ ተነጊርዎ`ሎ። ዛጊድ ወጺኡ ይኸውን።

ከም ሓበረታ እሙናት ምንጭታት፡ ስለምንታይ ክወጽእ ከምዝተነግሮ ንዕኡ`ውን ዝተዋህቦ ምኽንያት የለን።

ንቪኦኤ ክፍሊ ትግርኛ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበት ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ሽወደን ሓላፊት ኮሚኒኬሽን Charlotta Ozaki Macias," መንነት `ቲ ዲፕሎማት ኮነ ሃገሩ ኣይንዛረብን ኢና " ኢላ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ድማ " ምኽንያቱ ነቲ ኩነታት ክነጋፍሖ፡ ወይ ነቲ ርክባት ክነጋድዶ ኣይንደልን ኢና " ኢላ።

ሰበ-ስልጣን ሽወደን፡ ሓደ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማት ካብ ሃገር ክወጽእ ሓቲትና ካብ ምባል ሓሊፎም ፡ ስለምንታይ መንነት`ቲ ዲፕሎማት፡ ወይ፡ ምኽንያት መስጎጒ ክገልጹ ዘይደለዩ ብሩህ ኣይኮነን

Sweden-Eritrean Diplomat
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:34 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG