ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በረድ፡ ኣብ መስመር ሽወደን-ዴንማርክ፡ ደውታ መጓዓዝያ ፈጢሩ


ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሽወደን ነቶም ብሰንኪ ብርቱዕ በረድ ኣብ መስመር ሽወደን-ዴንማርክ ዝተዓግቱ ዘወርቲ መካይን ኣብ ምውጻእ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ብርቱዕ መሸንቦባ ንፋስ ዘሰነዮ በረድ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መካይን ተዓጊተን ሓዲረን ኣለዋ። ሓያሎ ዘወርቲ መካይኖም ገዲፎም ነብሶም ከድሕኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ተቐርቂሮም ምሕዳሮም እቲ ዜና ይሕብር።

መንግስቲ ሽወደን ሰራዊት ኣዋፊሩ፡ ነቶም ዝተዓግቱ ዘወርቲ መግቢን ካልእ ቀረባትን ኣብ ምብጻሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዜና ሮይተርስ የመልክት።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሽወደን፡ እቲ ብመስመር ኢ22 (E22) ዝፍለጥ፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ዴንማርክ ዘሕልፍ፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ 3 ጥሪ 2023 ኣትሒዙ ዝተዓጽወ ጽርግያ ጽባሕ ዓርቢ ናብ ስሩዕ መስመሩ ክምለስ ይሰርሕ ምህላዉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG