ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኪዳን ኔቶ እትጽበር ዘላ ሽወደን ናይ ልዕሊ 200 ዓመት ዘይገለልትነት ትሰብር


ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን
ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን

ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ምጽባይ ናይ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እትጽንበር ዘላ ሽወደን፡ ኣብ ደሴታታት ድሮ ልፍንታዊ ወታሃደራዊ ስርሒት ተካይድ ብምህላዋ፡ ነቲ ንልዕሊ 200 ዓመታት ዝኸደ ዘይሻራዊ መርገጺኣ ትዛዝሞ ኣላ። ሽወደን ንመጨረሽታ ግዜ ዝተዋጋኣትሉ ኣብ 1814 ኰይኑ ኣንጻር ጎረቤት ሃገር ኖርወይ’ዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነቲ ታሪኻዊ ውሳነ፡ “ድሕሪ 200 ዓመታት ዘይገለልትነትን ዘይሻራዊን መርገጺና ናብ ምዝዛም ንበጽሕ ኣሎና፡” ክብል ንፓርላማ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ሽወደን ናብ ኪዳን ኔቶ ክትጽንበር ዝወሰነት ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኰይኑ፡ መራሕቲ እታ ሃገር ነቲ ታሪኻዊ ውሳነ ብጥንቁቕ ኣዒንቲ ክምርምሩዎን ክጓዓዙዎን ንህዝቦም ኣዘኻኺሮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG