ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይነጥፍሩ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም


ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይነጥፍሩ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:11 0:00

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይነጥፍሩ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኣብ ዘይሕጋዊያን ምስግጋር ሰባት ይነጥፍሩ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ጣልያን እቶም ክልተ ጥርጡራት ሰንበት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምስ ዝደሓኑ 252 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ምኳኖም ሓቢሮም።

ኣብቲ ናይ ህይወት አድሕን ስርሒት ክልተ ሬሳታት ምርኻቡን እቲ ስርሒት ሓንቲ ካብተን ተጻዒኖሙለን ዝነበረ ጀላቡ ክጥሕል ምስ ጀመረት ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ሓገዝ ምሃቡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ወሲኾም የረድኡ።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንጥርጡራት ወዲ 33 ዓመት ጋምቢያዊን 23 ዓመት ሰኔጋላዊ ከምዘለለይዎም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ዓመተ 2017 ጥራይ አስታት 40 ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ጣልያን ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 34 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ሓዊ ምንዳዳ ህይወት አድሕን ትካላት ፖርቱጋልን ስፔንን ገሊጾም።

ሓይሊ ኣየር ፖርቱጋል እታ ጀልባ ሓዊ ክትቃጸል ዝነበረ ተኽእሎ ትሑት ምንባሩ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG