ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሲቪላት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም


ከተማ ደሴ -ፋይል
ከተማ ደሴ -ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ መሃል ሳይንት ትማሊ ተፈፂሙ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ከቢድ ብረት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስቪላት ከምዝተቐተሉ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።እቲ ዝተጠቐሰ ናይ ዝተቐትሉ ኣሃዝ ድምጺ ኣመሪካ ብነፃ ወገን ኣየረጋገፆን።

ኣብ ዋና ከተማ ዳንሳ ከምኡ እውን ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከብ ቀይ ዋሻን ጓሳን ኣብ ዝተባህሉ ቦታታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ውግእ ከምዝነበረን ኣብታ ከተማ ናይ ከቢድ ብረት መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመን ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ዳንሳ ዝርከብ ሰራሕተኛ ሕክምና 17 ሰባት ቆሲሎም ከምዝመፁን ካብኦም ኣርባዕቲኦም ከምዝሞቱን ሓቢሮም።

ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ብዛዕባ ዝተገልጸ መጥቓዕትታት ካብ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG