ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቓዕታት ቦኮ ሓራም ኣብ ዶብ ካሜሮን ምውሳኾም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበት ኣብ ክልተ ዓድታትን ሓደ ወታደራዊ መደብር ዶብ ሰሜናዊ ካሜሮን ክልተ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ምግጣሙ ተፈሊጡ።

እዚ መጥቓዕቲ አካል’ቲ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ቦኮ ሓራም ኣብቲ ዞባ ዘካይዶ ዘሎ መጥቓዕቲ ምኳኑ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

ሓደ ካብ ላዕለዋይ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ካሜሮን ባቢላ ኣካዮ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ንምፍጻም ካብ ናይጀርያ ናብ ሰሜናዊ ካሜሮን ሰሪጎም ምእታዎም ይገልጹ።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዓድታት ሞራን ኮሎፋታን ኽካየድ ዝተሓስበ ምኳኑን እንተኮነ ክልተ ጥራይ ንተዓጢቆሙ ዝነበረ ነታጊ ክትኩሱ ምክኣሎም ይሕብሩ።

እቶም በዓል ስልጣን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ቅድሚ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኬባ ወታሃደራትን አባላት ጉጅለ ርእስኻ ምክልካል ኣብ ዓድታት ዶብ ሰሜናዊ ካሜሮን ምውፋሮምን እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ ብዘይኻ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ካልእ ሰብ ከምዘይሞተ እንተኮነ ገለ አባላት ጉጅለ ርእስኻ ምክልኻል ግን ምቁሳሎም ገሊጾም።

ሓይልታት ጸጥታ ንሳልሳይ አጥቓዒ ተኩሶም ከምዝቐተሉን ነቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ይድለዩ ከምዘለው ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ 27 ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ካሜሮም ምግጣሞምን ካብዚኦም እቶም ሓደ ሲሶ ኣብዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ምግጣሞም ይግለጽ። ካብቶም መጥቓዕታት ገለ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ዝተዓቑብሉ ማእከል ከይተረፈ ምኽያዶም ሰበ ስልጣን ካሜሮን ይሕብሩ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ድሕሪ ምእሳር አዛዚ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ዓዲ ኩሰሪ ሰባት ናብ ጫፍ ዶባት ካሜሮን ከይገሹ ምጥንቓቑ ይፍለጥ መንግስቲ ግን ነቲ ማእሰርቲ ኣየረጋገጾን።

እዞም መጥቓዕታት ምስ ምጅማር ወርሒ ጾመ ረመዳን ምውሳኾም ብተወሳኺ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG