ዩ-ስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብን ፀቕጥን ንክውሰን ትሰርሕ ኣላ፣ ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዛዕባ ኣብ‘ታ ሃገር ዝተኸሰተ ደርቂ ኣፍልጦ ንከይረክብ ከልኪሉ ክብላ ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ዩ-ስ ሱዘን ራይስ ገሊፀን።
ኤርትራ ኣብ‘ቲ ዞባ ተርእዮ ብዘላ ባህርይ ዩ-ስ ተሻቂላ ኣላ ዝበላ ኣምባሳደር ሱዘን ራይስ፣ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትሕግዝ‘ያ፣ኤርትራ ኣብ‘ቲ ብቃፊር ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብዝቆመ ኣካል ብዝግባእን ብዘእምንን ኣገባብ ከምዝተሰነደ ንጎረባብታ ትህውኽ‘ላ ኢለን።
ብዛዕባ`ዚ ምላሽ ዝሃቡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣርኣያ ደስታ “ሓንቲ ሓዳስን ንእሽቶን ሃገር ነዘን ኩለን ሃገራት ጸገማት ክትፈጥረለን ማዕረ ኽንደይ ልዕለ-ሓያል ሃገር ምዃና ክርድኣኒ ኣይክእልን`ዩ” ኢሎም “ንሕናስ ንህዝብና ብመግቢ ርእሱ ከምዝኽእል ክንገብር፡ ኣብ ትሕቲ ቅርጺ፡ ኣብ ሕክምና፡ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ሕርሻ ንነጥፍ ኣለና`ምበር ጎረባብትና ክንህውኽ እንታይ ረብሓ`ለና? ከምኡ ኸኣ ዘግብር ምኽንያት የብልናን” ኢሎም።
ኣምባሳደር ሱዘን ራይስ ኣብ መግለፂኤን፣ዳርጋ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራታ ብተመሳሳሊ ንኤርትራ ብተግባር ምዝራግ ምኽሳሰን ዘሰምብድን ዘሻቅልን‘ዩ። ብሕልፊ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ግብረ-ሸበራዊ መጥቃዕቲ ንክፍፀም ኣብ ምውጣን ኤርትራ ደገፍ ምልጋሳ ኣዝዩ ዝውገዝ‘ዩ ምስ በላ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፍሉይ ቆላሕታ ክገብረሉ ይግባእ ኢለን።ብዛዕባ ዩ-ስ ትሕዞ መርገፂ ኣመልኪተን ድማ ከምዚ ይብላ።
”እወ ዩ-ስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ፀቅጢን ማዕቀብን ንክንበር ዝላዓለ ድልየታ‘ዩ።እዚ ጉዳይ‘ዚ ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ንላዘበሉን ንካተዐሉን ኣጀንዳ ክኸውን‘ዩ።ብመንፅር ዩ-ስ ግና ማዕቀብን ፀቅጥን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጊዚኡ ኣኺሉ‘ዩ” ኢለን ዶ/ር ሱዘን ራይስ።
ንኣምባሳደር ሱዘን ራይስ ዝሓተተን ካልእ ጋዜጠኛ ”ኣብ ኤርትራ ደርቂ ተኸሲቱ‘ዶ ኣሎ፣ኣብ ልዕሊ‘ቶም ግብሪ ዝኸፍሉ ዜጋታት ማዕቀብ ምንባር‘ከ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ህዝቢ ጉድኣት‘ዶ ኣየስዕብን? ተባሂለን ወ/ሮ ሱዘን ራይስ ዝሃበኦ መልሲ፣ቅድሚ ኩሉ ክፍለጥ ዘለዎ እቲ ማዕቀብ ንፁርን፣ነቲ ይሳቀይ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይትንክፍን‘ዩ ምስበላ፣ብዛዕባ ጥምየት ኣብ ኤርትራ ክዛረባ ከለዋ፣
”ደርቂ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ኢልና ኢና ንኣምን።እንተኾነ ናይ‘ቲ ደርቂ ኩነታት ብዝምልከት ዋላ ሓዴና‘ኳ ኣፍልጦ ስለዘይብልና ብዘይመጠን ተጨኒቅና ኣለና።ኩሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ትካላት ሕ/ሃ ስለዝተከልከሉ ብዛዕባ ምሕደራን ሰብኣዊ-ጉዳያትን ዳርጋ ኣብ ፀልማት ኢና ንርከብ።ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ‘ቶም ኣብ‘ቲ ዞባ ዘለው ህዝብታት ይሳቀዩ‘ዮም ዘለው። መንግስቲ ኤርትራ መእተዊ ስለዝከልከለ፣ህዝቢ ኤርትራ ብጥምየት ይሳቀ‘ሎ” ዝብል መልሲ ሂበን።
ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ሱዘን ራይስ ኣብ እዋን ግጭት ዶብ ንውዕል ኣልጀርስ ካብ ሞንጎ ዘርቀቃን ንክፀድቅ ዝሰርሓን ክኾና ከለዋ እቲ ውዕል ነቲ ቀያድን ኣሳሪን ውዕል ዘይቅበል ወገን ስጉምቲ ሕ/ሃ ከምዝውሰዶ'ዩ ከምዝገልፅ እናፈለጥ ክሳብ ሎሚ ስለምንታይ ነቲ ውሳነ ዘይተግበራ? ኢልም ሓቲቶም።
ኤርትራ ብመሰረት ውሳነ ሕ/ሃ ካብ ምሽማት ኣፅዋር ተዓቂባ ፀኒሓ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ነቲ ውሳነ ዝፃባእ ተግባር ኣይፈፀመትን ከምኡውን ምስ ጂቡቲ ዝነበራ ፀገም ተፈቲሑ ስለዘሎ እቲ ማዕቀብ ይላዓል፣እቲ ይዝረበሉ ዘሎ ተወሳኺ ማዕቀብ ድማ ክኹለፍ ኣለዎ ኢሎም።
ንቃለ-ምልልስ ምስ ክልቲኦም ኣምባሳደራት ተኸታተሉ -