ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቡርኲና ፋሶ ካብ ጨፍጫፍ ዘምለጡ ሰባት ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮም ይገልፁ ኣለው


FILE - A Burkina Faso soldier patrols at a camp sheltering internally displaced people from northern Burkina Faso in Dori, Feb. 3, 2020. Attackers have massacred at least 160 people in the northern village of Solhan overnight Friday.
FILE - A Burkina Faso soldier patrols at a camp sheltering internally displaced people from northern Burkina Faso in Dori, Feb. 3, 2020. Attackers have massacred at least 160 people in the northern village of Solhan overnight Friday.

ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ስደተኛታት UNHCR ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ሓደ ናይ ገጠር ዓዲ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ዘምለጡ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ኣዚዩ ከምዘድልዮም ይገልፁ ኣለው ኢሉ።

ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቡርክና ፋሶ ሶልሓን ንዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ 5 ሰነ 2021 ኣ/ፈ ኣጥቒዖም።ፍርቂ ለይቲ ነቲ ከባቢ ብምጥቓዕ ን138 ስቪላት ብምርሻን ንኣስታት 40 ሰባት ብምቑሳል ንመንበሪ ኣባይትን ናይ ዕዳጋ ቦታን ኣባሪዖም።

UNHCR ልዕሊ 3,300 ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ጥቕኦም ናብ ዝርከብ ገጠር ዓዲ ሃዲሞም ይብል።ወሃቢ ቃል UNHC ባባር ባሎች እቶም ሓደሽቲ ዝተመዛበሉ መብዛሕቲኦም ቆልዑን ኣዴታትን ዋላ ሓደ ነገር ከይሓዙ ዝወፁ እዮም ኢሎም።

‘’ሓደሽቲ ይበፅሑ ዘለው ሰባት ማይን ፅርየትን,መፅለሊ,ኣገደስቲ ናይ ረድኤት ናውቲን ክንክን ጥዕናን ብዘልዓለ ደረጃ የድልዮም።ሰበስልጣን ድሮ ኣስታት 400 ቶን ምግብን ኣሽሓት ናውትን ሂቦም ኣለው።ናይ UNHCR መሻርኽቲ ድማ ናይ ሕክምና ክንክንን ስነልቦናዊ ሓገዝን ይህቡ ኣለው’’ ኢሎም።

እቲካብ 2015 ኣ/ፈ ጀሚሩ ኣዚዩ ዝኸፍአ መጥቓዕቲ ዝሕብሮ ነገር ኣብ ዞባ ሳሕል ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዘይምርግጋእን ህውከትን ባይታ እናረኸበ ምዃኑ እዩ።UNHCR ነታ ኣብ ዓለም ብምምዝባልን ሓለዋ ናይ ዘምሃብ ቅልውላውን ብቕልጡፍ ትውስኽ ዘላ እያ ክብል ንቡርኪናፋሶ ፀዊዑዋ ኣሎ።

ካብ 2019 ኣ/ፈ ኣትሒዙ UNHCR ኣብታ ሃገር ዘሎ ህውከት ንልዕሊ 1.2 ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ ኣገዲዱዎም ኣሎ ይብል።ባሎች ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ህውከት ኣስታት 150,000 ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው ኢሎም።

‘’84 ምእታዊ ፆታ መሰረት ንዝገበረ ዓመፅ ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ እየን ወይ ፍርቆም ንኣካላዊ መጥቓዕትን በደልን ከምዘጋጠሞም ዝተገልፁ ቆልዑት እዮም’’ ዝበሉ ባሎች ‘’ካብ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ብተወሳኺ ቡርኪናፋሶ መብዛሕቲኦም ካብ ማሊ ዝመፁ 22,000 ሰተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ብልግሲ ተቐቢላ ተተኣናግድ ዘላ ሃገር እያ’’ ኢሎም።

UNHCR ንናይ ዓለምለኸ ሓገዝ ይፅውዕ ኣሎ።እቲ ዘሎ ገንዘብ ምስቲ እናዓበይ ይኸይድ ዘሊ ሰብእዊ ድልየት ዘማልእ ኣይኮነን ይብል።

XS
SM
MD
LG