ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ: ቁጽሪ በጻሕቲ ሒጃ ሎሚ ዓመት ውሱን ከምዝከውን ኣፍሊጣ


ልዕሊ 213,000 ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ዝመዝገበት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝለዓለ ቁፅሪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሎሚ ዓመታዊ ሒጃ ብውሑዱን ውሱንን ሰባት ከምዝካየድሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጣ። ተንተንቲ ምድራት ነቲ ናይ ኣመንቲ ጉዕዞ ዛሕቲሉ ዘሎ ቁጠባ ናይታ ሃገር መሊሱ ዘጋድድ እዩ ይብሉ ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሪያድ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሓዊሱ ኣሜሪካዊያን ዜጋታት ካብታ ለበዳ ቫይረስኮሮና ብናህሪ ይባዛሓላ ዘሎ ስዑዲ ዓረብ ንምውፃእ ፍሉይ በረራታት ከዋድድ ፀኒሑ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ቅድም ክትብል ብርቱዕ ስጉምታት እንተወሰደት እውን ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ተንታኒ ቲዎድሮ ካራሲክ ግን ኣብታ 30 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ንምስፋሕ'ቲ ቫይረስ ካልኦት ምኽኒያታት ኣለው ይብል።

‘’ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ማሕበራዊ ርክባት ሕይል ዝበለ ስለዝኾነን ኣብ ዶባት ምንቅስቓሳት ስለዘሎን ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ከቢድ እዩ።ሓደ ወይ ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ እንተድኣ ተለኺፎም ናብ ካልእ ስድራ ሕውስ ኢሎም ንጠቕላላ ቤተሰብ የሕልፍሉ።እቲ ቫይረስ ብዝለዓለ ደረጃ ይሰፍሓሉ ካብ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ስ ደተኛታት እዮም’’ ይብል ።

ሰበስልጣን ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ መሳጊድ መካን መዲናን ዘንፀላለወ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ሽዑ ንሽዑ ዓፅዮምዎ።

ስዑዲ ሎሚ ኣዚዩ ውሱን ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ንጉዕዞ ሕጃ እያ ትፈቅድ ዘላ።ኣብ ነፍሲ ወከፍዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ልዕሊ 180 ሃገራት ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ኣመንቲ ተተአናግድ ምንባራ ይፍለጥ ።ናይዚ ዓመት ተጎዓዝቲ ግን 70 ሚእታዊት ነበርቲ ስዑዲ 30 ሚእታዊት ድማ ዜጋታት ስዑዲ ክኾኑ እዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ዘይኣተወ ኣማኒ ናብ ስዑዲ ክኣትው ኣይፍቀደሉን።

ኣብ ንእሽተይ ናይ እምነት ቦታ ብዙሕ ሰብ ክእከብ ነቲ ለበዳ ብስፍሓት ክዛመት ምፍቃድ እዩ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ስግኣቶም ይገልፁ።

ሒጃ መብዛሕቲኡ ኣብታ ሃገር ንዘለው ክኸውን ምግባር እታ ሃገር ትረኽቦ ቁጠባዊ ረብሓ ዘስእና እዩ።

ኣብ ስሩዕ እዋን በብዓመቱ 12 ቢሊዮን ዶላር ወይ ሸውዓተ ሚእታዊት ሓፈሻዊ እቶት ናይታ ሃገር ካብ ተጎዓዝቲ ትረክብ።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣብ 2020 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ፍርያት ስዑዲ ዓረብ ብ6.8 ሚእታዊት ከምዝንኪ ትፅቢት ሓቢሩ'ሎ ።

XS
SM
MD
LG