ፕረሲደንት ጆ ባይደን ኣንጻር`ቲ ንፕረዚደንትታት ዝነበሩ ካብ ክሲ ናጻ ዝገብር ብይን ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ተቓውሞኡ የስምዕ ኣሎ።
እቲ ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ዝሓለፈ ውሳነ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2020 ዝነበሮ ኢድ-ኣእታውነት ዝምልከት ጉዳይ ዝስርዝ ኣይኮነን፡ ግን ከደናጉዮ ዝኽእል`ዩ።
ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰኑይ ውሳንኡ፡ ፕረዚደንታት ዝነበሩ ንወግዓዊ ስርሖም ዝምልከት ንዝወሰድዎ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይክሰሱን`ዮም ዝብል ብይን ኣሕሊፉ`ሎ። እዚ ውሳነ`ዚ ምስቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 6 ጥሪ 2021 ኣብ መጥቃዕቲ ካፒቶል ማለት ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ ኢድ ኔርዎ ዝብል ክሲ ዝተሓሓዝ`ዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ግን ኣንጻር `ቲ ብይን ተሪር ነቔፈትኡ ኣስሚዑ`ሎ።
“ህዝቢ ኣመሪካ እቲ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲና መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዝለዓለ ስልጣን`ዛ መሬት ዝበቅዕ ከምዘይኮነ ክውስን ኣለዎ። ትራምፕ ስልጣኑ ንምዕቃብ ጎንጺ ምምራጹ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ህዝቢ ኣመሪካ ክውስን ኣለዎ “
ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ንውሳነ`ቲ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ብታሕጓስ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን ፡ ኣብቲ `ሶሻል ትሩዝ` ዝብል ማሕበራዊ ገጹ ነዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ`ሎ። “ ላዕላዋይ ቤት-ፍርዲ ንመብዛሕትኡ ኣንጻረይ ዘሎ ክስታት ፋሕ ብትን ኣእትዩሉ`ዩ። ጆ ባይደን ሕጂ ኣኽላባቱ ክሕዘለይ ኣለዎ። ሃገርና ሕጂ ዳግም ኣብ ዕብየትና ክተተኩር ኣለዋ። “ ኢሉ።
እቲ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣንጻር ትራምፕ ቀሪቡ ዘሎ ኣብ ምርጫ ጣልቃ ኣትዩ ዝብል ክሲ ኣይሰረዞን።
ኣብ ቺካጎ ከንት ፕሮፈሰር ሕጊ ሃሮልድ ክረንት፡ ትራምፕ ኣብ 6 ጥሪ ዝገበሮ ወግዓዊ ኮነ ዘይወግዓዊ ተግባራት ክኽሰሰሉ ይኽእል `ዩ ይብል።
“ ከም ውልቃዊ ሕጹይ ኮይኑ ዝፈጸሞ እንተኾይኑ ኣብ ውልቃዊ ክሲ ዝሕቆፍ`ዩ። ንምኽትል ፕረዚደንት ብዛዕባ ኣብ ሰነት ክገብሮ ዘለዎ፡ ንሚንስትሪ ፍትሒ ብዛዕባ ኣብ ምውሃብ ድምጺ ምድንጋር እንተሃልዩ ከጻሪ ከም ዘለዎ ዝተዛረቦ ግን፡ ኣብ ወግዓዊ ስልጣኑ ዝሕቆፍ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።“
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ መይሰን፡ ፕሮፈሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ፡ደቪድ ራማዳን ጉዳይ ናዕቢ 6 ጥሪ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ብዙሕ ኣይተላዕለን። እንተኾነ ደምበ ጎስጓስ ምርጫ ባይደን እንተደፊእሉ ዓቢይ መዘራረቢ ወፍሪ ምርጫ ክኸውን`ዩ ይብል፡፡
“ ወፍሪ ባይደን ነቶም ናጻ መርገጽ ዘለዎም ኣድመጽቲ ከዘኻኽሮም ዘለዎ ይመስለኒ። ንዕኦም ዓቢይ ጉዳይ`ዩ። እንተዘየዘኻኺርካዮም ግን፡ ድሕሪ ዓመታት እናረስዕዎ መጽዮም ብዛዕባ ካልኦም ክጭነቑ እዮም ዝጅምሩ። “
ዳቪድ ራማዳን ኣመሪካውያን ወሃብቲ ድምጺ ንየማንን ጸጋምን ኣብ ዝተኸፋፈልሉ እዋን እቶም ናጻ ኣድመጽቲ`ዮም ነቲ ሚዛን ናብ ሓደ ከዛዝውዎ ዝኽእሉ ይብል፡ም“ናጻ ኣድመጽቲ ጥራይ እዮም ቀየርቲ። ነዚ ምርጫ ክሰርሕዎ ወይ ክፍንጥሕዎ ዝኽእሉ። ደቀንስትዮ ድማ ኣብቲ ሚዛን ቀዳምነት ዝስርዓ`የን። መንእሰያት `ውን ቀየርቲ `ዮም፡ ግን እሙናት ኣድመጽቲ ኣይኮኑን።"
ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዘሎ ክሲ ምትእትታው ምርጫ ዝቕጽል`ዩ ዝመስል። ብመሰረት ብይን ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ፡ ታሕታዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ብዛዕባ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ክስታት ኣገዳሲ ውሳነታት ከሕልፍ ይኽእል`ዩ። እንተኾነ ቅድሚ መዓልቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፡ መስርሕ ፍርዲ ዝካየድ ኣይመስልን ይብል ሃሮልድ ክረንት፡“ እዚ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ከደናጉዮ እዩ። ዕላማ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሱ እንተኾይኑ ድማ፡ ዕላምኡ ተዓዊቱ ኣሎ ማለት`ዩ። “
እዚ ድማ ንናዕቢ 6 ጥሪ ማእከል ጎስጓስ ምርጫ ክገብሮ እንተኾይኑ ፡ንወፍሪ ምርጫ ባይደን ዝግደፍ `ዩ።
ቅጥዒ