ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ዓውዲ ሕጊ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ተማሕፂኖም


ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ጆን ሮበርትስ -ፋይል
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ጆን ሮበርትስ -ፋይል

ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ጆን ሮበርትስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተሓተመ ናይ ዓመት መወዳእታ ፀብፃቦም እቲ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ሰብ-ስርሖ ብልሒ ዳያኑን ሰብ ሞያ ሕግን ከመይ ክሰርሑ ከምዘለዎም ክቕይሮ ከሎ "ጥንቃቐን ትሕትናን’’ ከርእዩ ኣለዎም ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ሮበርትስ ኣብቲ 13- ገፅ ዝሓዘ ፀብፃቦም ንሓድሕዱ ዝጋጨው ሓሳብ'ዮም ኣቕሪቦም። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዓቕሚ ንዘይብሎም ፍትሒ ናይ ምርካብ ተኽእሉኦም ክውስኽ፣ ኣብ ሕጊ ንዝካየድ መፅናዕቲ ብመሰረታዊነት ብምልዋጥ ኣብያተ ፍርዲ ጉዳያት ፍርዲ ብቕልጡፍን ትሑት ወፃኢን መዓልቦ ክረኽቡ ገይሩ ክልውጦ ተኽእሎ ኣለዎ ኢሎም። ኣስዒቦም ግን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ደቂ ሰባት ንዘለዎም ምስትውዓል ክትክእ ስለዘይኽእል ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ከሕድሮ ዝኽእል ስኽፍትኦም ገሊፆም።

"ዳያኑደቂ ሰባት ንዝተወሰነ እዋን ዳኝነት እናሃቡ ከም ዝፀንሑ እትንቢ እየ’’ ኢሎም። "ይኹን ድኣምበር ስራሕ ፍትሒ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍርዲ ምስ በፅሐ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ከም ዝፅሎ ብማዕረ ተኣማንነት ምትንባይ እኽእል እየ’’ ኢሎም።

ንሶም ዝሃቡዎ ርእይቶ ተፅዕኖ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ስርዓተ ሕጊ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝበሉዎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሓሳብ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG