ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ክእሰሩ ዘፍቅድ ሕጊ ቴክሳስ ከይትግበር ፈደራል ቤት ፍርዲ ይዓግት


ላዕለዋይ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፣ ነቲ ናይ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ፖሊስ ናብ ኣመሪካ ብዘይ ሕጋዊ ወረቀት ዝኣትው ስደተኛታት ንክኣስሩ ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ ሕጊ ከይትግበር ምዕጋቱ ቀጺሉ'ሎ: እዚ ዝኸውን ዘሎ ነቲ ሕጊ ዝምልከት ሞገተ ገና ይካየድ ኣብ ዘሃለወሉ ሕጂ እዋን'ዩ።

እቲ ሕጊ ሴነት ቁጽሪ 4 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ቴክሳስ፣ ሓንቲ ክፍለ ግዝኣት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ ገዛእ ርእሳ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ኣንፈት ዘርአየትሉ መስርሕ ከምዝኾነ ከምኡውን ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ተመሳሳሊ ሕጊ ድሕሪ ምርቃቃ፣ ገለ ክፋሉ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምዝተነጸገ እቲ ዜና ይሕብር።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ቴክሳስ፣ እቲ ብቴክሳስ ዝወጸ ሕጊ፣ ንፌደራላዊ ሕጊ ዝመስልን ብሕልፊ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ልዕሊ ካልኦት ክፍላተ ግዝኣታት ይጎድኣ ንዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ዝእርም ከምዝኾነ’ ጠቂሱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG