ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ ደርዘን ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ ሕሩያት ተወዳደርቲ ሰልፈን ሰሉስ ክውስና’የን


ፋይል
ፋይል

ልዕሊ ደርዘን ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ ጽባሕ ሰሉስ ብዝወሃብ ድምጺ ሕጹያት ተወዳደርቲ፡ ኣብቲ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዝሳተፉ ወከልተን ክመርጻ’የን። እዚ መስርሕ ምውሃብ ምምራጽ ተወዳደርቲ ሰልፊ ሱፐር ቱስዴይ (ሱፐር ቱስዴይ) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ 15 ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካን ሳሞዋን፡ ጽባሕ ሰሉስ ህዝቢ ንሕጹይ ፕረዚደንቶም ንምውሳን ከድምጻ’የን። እዚ ናይ ሰሉስ ምርጫ፡ ነቲ ሰልፊ ወኪሉ ኣብቲ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ዝሳተፍ ተወካሊ ሰልፊ ንምምራጽ ምዃኑ’ዩ። ካብ ክልቲኡ ዓበይቲ ሰልፍታት ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ናይ ቅድም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ክዀኑ ትጽቢት ይግበር።

እንተዀነ ካብ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ኒኪ ሀይሊ’ውን ኣላ። ዋላ’ኳ ኣብቲ ዝቐደመ ኮካስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገባብን በበይኑ ዳህሳታት ህዝቢን ትሑት ውጽኢት ትርከብ እምበር፡ ገና ክትቅጽል ምዃና’ያ ኣመልኪታ ኣላ። ትማሊ ሰንበት ምስ መደበር ቴለቪዥን ኤን.ቢ.ሲ. (NBC) ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ድማ “ህዝቢ ክሳብ ዝድግፈኒ ክቕጽል’የ፡” ኢላ።

“ምርጫ ህዝቢ ኣብ ድምጺ ክፍልጥ’ዩ። ድምጺ ህዝቢ ኣብቲ ዝህቡዎ ዘለዉ ሓገዝ ዝርአ’ዩ። ቀንዲ ኣቓልቦይ መሰል ገበርቲ ክፍሊን ዜጋታትን ኣመሪካ ምኽባር’ዩ። ኣተኵሮይ ዝርጋሐ መንግስቲን ሓይሊ መንግስቲን ጎዲሉ ናብ ዜጋታትን ትካላትን ዝማቓርሓሉ መስርሕ ምፍጣር’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ዶባትና ከነውሕን ልዕልና ሕጊ ከነረጋግጽን የድሊ።”

ጉዳይ ስደተኛታት ካብቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ እውን’ዩ ዘሎ።

"ብሰንኪ ስደተኛታት እትጠፍእ ህይወት ኣመሪካውያን ክትህቡ የብላን። እዚ ደው ክብል ኣለዎ። ድምጽኹም ክትህቡ ይጽውዕ። ሕዳር ኣብ ዝግበር ምርጫ ዓቢ ስራሕ ስለ ዝጽበየና፡ ድምጽኹም ሃቡ። ደው ዘይትብል ባቡር ምዃንና ድማ ክፈልጡ ኣለዎም።”

ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ክፍለ-ሃገር ቴክሳስ ብምኻድ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ብቐረባ ንምክትታል ዝፈተነ ፕረዚደንት ባይደን፡ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ንጉዳይ ዶባት ዝተኣመመ ናይ ክልተ ሰልፍታት ውጥን ከም ዘተዓናቐፎ ይገልጽ።

ቀዳመይቲ በዓልቤት ጂል ባይደን ኣድመጽቲ ኣብቲ ጽባሕ ሰሉስ ዝወሃብ ብሱፐር ቱስዴይ(Super Tuesday) ዝፍለጥ ፈላሚ ናይ ሰልፊ ድምጺ ንጉዳይ ደቀንስትዮ ኣመልኪታ መተሓሰሰቢ ሂባ ኣላ። እቲ መጥቃዕቲ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ዝቐንዐ’ዩ።

"ኣብ ምሉእ ሃገር ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ደው ንምባል’ዩ ዝሕልን ዘሎ። ዶናልድ ትራምፕ ኣንጻር ደቀንስትዮን ጥዑይ ስድራቤታት’ዩ። ክዕወት ስቕ ኢልና ክንርእዮ የብልናን።”

ፕረዚደንት ባይደን ካብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ምሉእ ድጋፍ ዛጊት ኣይረኸበን፡ ዋላ’ኳ ከም ቀንዲ ተወዳዳሪ ይሕሰብ እንተሎ። ንሰልፊ ርፓብሊካውያን ወኪሉ ክወዳደር ትጽቢት ዝግበሮ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ወግዓዊ ሕጹይ ንምዃን ብውሑዱ ድምጺ 1,215 ተወካሎ የድልዮ።

ጽባሕ ሰሉስ ብዝወሃብ ድምጺ ግን ንኽልተ ሰልፍታት ወኪሎም ዝወዳደሩ ክንጽር’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG