ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚት ራምኒ ኣብ ናይ ትማሊ ምርጫ ስዒሮም


ሕፀ ፕሬዝዳንታዊ ውድድር ንምስዓር ካብቶም ተወዳደርቲ ሓዲኦም 1,144 ወከልቲ ክረክብ ኣለዎ

ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ማሳቹስተስ ዝነብሩ ሚት ራምኒ ሱፐር ቱስደይ ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ናይ ትማሊ ሰሉስ ምርጫ ኣገዳሲ ንሕንሕ ኣብ ዝተኻየደላ ክፈለ ግዝኣት ኦሃዮ ብፀቢብ ድምፂ ስዒሮም።ካብ ፔንስለቨኒያ ዝተወከሉ ኣባል ሴኔተር ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾኑ ሪክ ሳንቶረም ሕዚ እውን ኣብቲ ናይ ሪፓብሊካዊያን መባእታዊ ፕሬዝዳንታዊ ወፍሪ ተነሓናሖሒ ኮይኖም ቐፂሎም ኣለው።

ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝኾኖም ተወከልቲ ምርካቦም ሕጉስ ምዃኖም ዝሓበሩብና ራምኒ ከምዚ ኢሎም ነይሮም።’’ደስ ዘብል እዩ።ክሳብ እቲ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ከምኡ እናበልና ክንቕፅል ኢና።ንሱ ድማ ብዝሓሸ ደስ ዘብል እዩ።’’

ትማሊ ንሚት ራምኒ ፅቡቕ ምሸት ነይሩ።ኣብ ኦሃዮ ሓዊሱ ኣብተን ንሕፀ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ውድድር ዝተኻየደለን ዓሰርተ ክፈል ግዝኣታት ዝበዝሕ ተወከልቲ ብምርካብ ስዒሮም ኣለው።ክሳብ ትማሊ ምሸት ኣብ ልዕሊ ሪክ ሳንቶረም ዝነበሮም ፀብለልታ ብዙሕ ዘተኣማምን ኣይነበረን።

ብዙሓት ሪፓብሊካዊያን ኣድመፅቲ ሕዚ’ውን ርግፀኛታት ኣይኮኑን።ራምኒ ናይ ቅድሚት ተወዳዳራይ እዮም።ሕዚ’ውን እንተኾነ ግን ዓብላላይነቶም ገና ኣየረጋገፁን።ገለ መድመፅቲ ኣብ ማሕበራዊ ዓቃብነት ፅኑዕ መርገፂ ዘለዎ ሳንቶረምን ክፈለግዝኣቶም ኣብዝኾነት ኣብጆርጂያ ዝሰዓሩ ኒውት ግንግሪችን ኣዝዮም ጫፍ ዝሓዙ እዮም ይብሉዎም።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ምርጫ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ኦሃዮ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኢኮኖሚ እዩ ነይሩ።ወሃብቲ ድምፂ ስራሕ እናጠፍአ ምኻዱን ሃገራዊ ዕዳ ይቑለል ምህላውን ኣዝዩ ዘስግኦም ጉዳይ እዩ።

እቲ ግጥም ዝበዝሕ ቁፅሪ ተወከልቲ መን ረኸበ እዩ።ሕፀ ፕሬዝዳንታዊ ውድድር ንምስዓር ካብቶም ተወዳደርቲ ሓዲኦም 1,144 ወከልቲ ክረክብ ኣለዎ።ራምኒ ንወፍሪ ምረፁኒ ዘውፅእዎ ገንዘብ ካብ ናይ ሳንቶረም ተዓፃፃፊ እንተኾነ’ውን ሳንቶረም ኣብ ኦሃዮ ዳርጋ ፍርቂ ተወከልቲ እዮም ተማቒሎምዎም።

ድሕሪ እቲ ውፅኢት ሳንቶረም ከምዚ ኢሎም ነይሮም ‘’ኣንፃር ዘይተለመዱ ነገራት ኣብዘካየድናዮ ውድድር ኣብ ሙሉእ ሃገር ስዒርና ኣለና።በቃ ኣኺልዎ እዩ ኢሎም ኣብዝበልሉ ተመሊስና ምምፃእና ቀፅሊና ኣለና።’’

ንመዋእሎም ንሪፓብሊካዊያን ክመርፁ ዝፀንሑ ገለ ኣድመፅቲ ንፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንምምራፅ ዝወጠኑ ኣለው።

XS
SM
MD
LG