ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሬት ኢትዮጵያ ንሱዳን ተሰሊዑ ተዋሂቡ እዩ ዝብል ክሲ ልበ ወለዳዊ እዩ ይብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ


ኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሓላፊ ጉዳያት ጐረባብቲ ሃገራት ኣይተ መለስ ኣላም
ኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሓላፊ ጉዳያት ጐረባብቲ ሃገራት ኣይተ መለስ ኣላም

ኣብ ልምዓት ዶብ ኢትዮ ሱዳን ዝዝትይ መበል 18 ዋዕላ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣሎ፡፡ መሬት ኢትዮጵያ ተሰሊዑ ንሱዳን ተዋሂቡ እዩ ንዝብል ክሲ ተቓወምቲ ውድባት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ልበወለድ እዩ እንትብል ይምልስ፡፡

ዕላማ እቲ ዋዕላ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓበራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝትይ እዩ ኢሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሓላፊ ጉዳያት ጐረባብቲ ሃገራት ኣይተ መለስ ኣላም።

እቶም ሓላፊ ብተወሳኺ ኣብቲ ዋዕላ ጉዳይ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ፀጥታውን፣ ጥዕና፣ ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይዝተየሉ'ሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን መሬት ሰሊዑ ከምዝሃበ ተቓወምቲ ውድባት ብተደጋጋሚ ይኸሱ፣ ሓረስቶት ክልቲኤን ሃገራት ድማ ብዋንነት ግራት ከምዝላተሙ ሱዳን ቱሪቡን ይገልፅ፡፡ ነዚ ምላሽ ዝሃቡ ኣይተ መለስ ኣላም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሓላፊ ጉዳያት ጐረባብቲ ሃገራት እቲ ዝበሃል ዘሎ ወረ ብንፉዕ ፀሓፊ ዝተፅሓፈ ልበ ወለድ እዩ ኢሎሞ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጐአን ዘሎ 1,600 ንውሓት ዘለዎ ዶብ ንምጥራር ብ2004 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ከምዝተሰማማዓ ይዝከር፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG