ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ 5 ሰባት ሞይቶም


ባንክ ከተማ ካቡል - ፋይል
ባንክ ከተማ ካቡል - ፋይል

ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ኩንዱዙ ሎሚ ሰሉስ 11 የካቲት 2025 መሃያ ንምውሳድ ኣብ ኣፍደገ ጨንፈር ባንኪ ካቡል መስርዕ ሒዞም ይፅበዩ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ብዘጋጠመ ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ነታጕ ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብዙሓት ድማ ምቁሳሎም ሰበ-ስልጣን ጣሊባን ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ኸባቢ ጁማዲን ካሃክሳር ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ወጋሕታ ብሓያል ድምፂ ዝተዓጀበ ፍንጀራ ቦምብ ሲቪላት ኣፍጋኒስታንን ኣባላት ጣሊባንን ግዳያት ምግባሩ ሓቢሮም።

ኣካል ምምሕዳር ጣሊባን ዝኾኑ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ድሒሮም ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ቁፅሪ መወቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቱ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል የለን እንተኾነ ናብቲ ምቕማጡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝገበረ ንባዕሉ ስግረ ሃገራዊ እስላማዊ መንግስቲ ኮረሳን ወይ ድማ IS-K ኢሉ ዝፅውዕ ግብረሽበራዊ መርበብ ምትእስሳር ክህልዎ ከምዝኽእል ጥርጣረ ኣሎ።
እዚ መጥቃዕቲ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሰበ-ስልጣን ኣንፃር ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንIS-K ኣብ ዞባዊን ዓለምለኻውን ፀጥታ ርኡይ ዕንቅፋት ኮይኑ ይቅፅል ምህላዉ ድሕሪ ምጥንቃቖም እዩ።

IS-K ንመራሕቲ ፖለቲካን ሃይማኖትን ጣሊባን ከምኡ'ውን ንኣባላት ማሕበረሰብ ሸሃይቲ ኣፍጋኒስታን ብተደጋጋሚ ዒላማ ይገብር ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG