ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣብ ኣወሰን ዶባ ሱዳን ዕጡቓት ሱዳን 250 ከፍቲ ዘሪፎም ክብሉ ናይቲ ከባቢ ነበርትን ኣማሓዳሪን ጥርዓን ኣቕሪቦም። ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ከባቢ ምፅግዑ ዝገለፁ ናይ ቱመክ መንዱካ ጣቢያ ዋና ኣማሓዳሪ ሕብሮም ዝተፈለዩ እዮም ዝበሉዎም ወታደራት ምስቲ ሰራዊት ከምዘለውዎም ተዛሪቦም።
ሱዳን ንዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሳ ኣትያ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ይኽስ ስ ኣሎኣብ ምኽሳስ።ዕጡቓት እውን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነብሩ ሰብ ሃፍቲ ንብረት ምውራሮም ሰበስልጣን ይዛረቡ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ቱመትመንዱካ ኣብ ዝተባሃለ ጣቢያ ተመሳሳሊ ወራር ምፍፃሙ ነበርትን ሰበስልጣንን እቲ ከባቢ ንቪኦኤ ገሊፆም።
139 ከፍቲ ብዕጡቓት ሱዳን ከምዝተዘረፉ ኣቶ ሲሳይ መላኩን ሓዎም ኣቶ በሬ መላኩን ይዛረቡ።
ኣብ ወሰን ዶብ ሱዳን ናይ እትርከብ ጣቢያ ቱመትመንዱካ ዋና ኣማሓዳሪ ዝኾኑ ኣቶ ኣለሙ ኣወቀ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ልዕሊ 250 ከፍቲ ከምዝተዘረፉ ይገልፁ።
ኣብቲ ከባቢ ናይ ሱዳን ሰራዊት ስለዝተፀግዑ ሓል ሓሊፉ ቶኽሲ ከምዘሎን ኣብቲ ከባቢ ናይ ሱዳን ሰራዊት ጥራሕ ከይኮነስ ሕብሪ ቆርበቶም ካብ ሱዳናዊያን ዝተፈለዩ ዕጡቓት ከምዘለውን ወሲኾም ገሊፆም።
ብኻሊእ ወገን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዝኾኑ ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ወሰን ከባቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዝርከቡ ሰራዊቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ሃገሮም ካብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ፣ምፍርራሕን ክስታትን ክቐርቡዋ ከምዝፀንሑ ብምግላፅ ‘'ኩሉ ነገር ልክዕ ኣለዎ’’ኢሎም።
‘’ግጭት ዝወልዐት ሱዳን ከይኮነትስ ኢትዮጵያ እያ’’ ኢሎም ኣለው።ንናይ ሱዳን ደቂ ኣንስትዮን ሓረስቶትን ቀቲሎም መሬትና እውን ኣቃፂሎም ኢሎም ብምውሳኽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ብትዕግስቲ ከምዝሓዞ ብምሕባር ሳልሳይ ወገን ጣልቃ ከይኣተወ ንምፍታሕ ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ ገሊፁ ኣሎ።