ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንጻር ወታሃደራዊ ዕልዋ ዝዓለሙ ሓደሽቲ ተቓውሞታት ኣብ ከተማታት ሱዳን ተኻይዶም


ተቓውሞ ሱዳናዊያን - ሚያዝያ 6,2022
ተቓውሞ ሱዳናዊያን - ሚያዝያ 6,2022

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ነቲ ነታ ሃገር ናብ ፖለቲካዊ ህውከትን ዝእተወን ንቁጠባዊ ጸገማት ዘጋደደን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ሓድሽ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት ኣብ ዋና ከተማ ካርቱምን ካልኦት ከተማታት'ታ ሃገርን የካይዱ።

እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ገዛእቲ ጀነራላት ተጽዕኖ ንምፍጣር ዝግበር ዳሕረዋይ ጻዕሪ እዩ።

እቲ ምሓዝ ስልጣን እቶም ጀነራላት ዳርጋ መዓልታዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝጠልብ ኣብ ጽርግያታት ተቃውሞ ሰልፍታት ክካየድ ኣለዓዒሉ'ዩ።

እቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም:ኡምዱርማን: ፖርት ሱዳን: ዳርፉርን ካልኦት ከተማታት'ታ ሃገርን ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣብ ዝኽሪ ሰለስተ ዓመት ንናይ ነዊሕ ዓመት መራሒ'ታ ሃገር ዝነበሩ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ዘውረደ ተቓውሞ:ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ኩነታት ኣየርን ጾመ- ረመዳንን'ዩ ተኻይዱ።

XS
SM
MD
LG