ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ዝነበሩ 780 ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ካብ ሞንጎ ኣብ ክልል ኣምሓራ መዓስከራት ኩመርን ኣውላላን ወፂኦም ኣብ ጎደናታት ዝናበሩ ዝነበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት እቶም 780 ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት(ዩኤንኤችሲኣር) ኣፍሊጡ።

እቶም ናብ ሱዳን ዘምርሑ ስደተኛታት ኣብተን ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ዝነበራ መዓስከራት ኩመርን ኣውላላን ፀገም ፀጥታን ዋሕዲ ኣገልግሎትን ከምዘጋጠሞም: ብሰንኪ'ዚ ድማ ነቲ መዓስከራት ለቒቖም ብምውፃእ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ጎደናታት ተዓቑቦም ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። እቶም ኣብ ጎደናታት ይናበሩ ዝነበሩ ስደተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከግዕዝዎም ክሓቱ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሎም፣ “ናብ ሃገርና ሱዳን ክንምለስ ኣለና” ኢሎም ብእግሮም ክጎዓዙ ምጅማሮም ዝዝከር እዩ።

ካብኣቶም እቶም 780 ስደተኛታት ሱዳን ምእታዎም ዝምልከቶም ትካላት ረድኤት እውን ሓገዝ ይገብሩሎም ከምዘለውን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፁ። ካብ መንጎ እቶም ናብ ሃገርና ክንምለስ ኣለና ኢሎም ዝነቐሉ ሱዳናውያን ገሊኦም ድማ፣ ናብ ሱዳን ከይኣተው ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት መተማ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።እንተኾነ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ሓገዝን አገልግሎትን ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ንድምፂ ኣመሪካ ብስልኪ ተዛሪቦም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብ መግለፂኡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መስመር መተማ-ጎንደር ዘሎ ፀገም ፀጥታ ናብ መዓስከር መተማ ሓገዝ ከብፅሕ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG