ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ስደተኛታት ሰንኪ ግጭት ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ ክብል ኣምንስቲ የጠንቅቕ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ኲናት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ`ታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዎም ሁማን ራይትስ ዋች ሎሚ ሓሙስ ኣሰሚዑ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ፡ ካብ መንጎ`ቶም ኣብታ ሃገር ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ሓደ ክኸውን ከሎ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝዋጋእ ዘሎ`ዩ። ኣብታ ኣስታት 23 ሚልየን ህዝቢ ዝነብረላ ክልል ኣምሓራ መንግስቲ ኣንቢርዎ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ዝሓለፈ ሰነ እንተብቅዐ`ኳ እቲ ህውከት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይሃድኣን።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዋች ካብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ሃዲሞም ኣብቲ ከባቢ ተዓቑቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን ሕጂ ዒላማ መጥቃዕቲ ተጻባእቲ ወገናት ኮይኖም ኣለዉ ይብል ።

ኣብ ሁማን ራይትስ ዋች ምኽትል ዳይሬክተር ጉዳይ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባድር ክትዛረብ ከላ እቶም ስደተኛታት ሱዳን፡ ስርቂ ዝምታን ቅትለትን የጋጥሞም ኣሎ ስለዚ ሓለዋ የድልዮም ኢላ።

ሓደ ንሁማን ራይትስ ዋች ዝተዛረበ ወዲ 45 ዓመት ሱዳናዊ “ ድሕነት ደሊና ካብ ሱዳን መጺና፡ ግን ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ`ውን ዝፈጸመና ዘሎ ማህረምትን ምግፋዕን ክንጻወሮ ኣይክኣልናን” ኢሉ።

ንሱ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወዱ ከም ዝቐጥቀጥሉ`ውን ይዛረብ። ኣስዒቡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ በብግዚኡ ቃል ይኣትዉልና ግን ዝገበሩልና ነገር ኣይረኣናን ይብል።

ብዛዕባ`ዚ ጥርዓን ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ክረክብ ፈቲኑ ኣይረኸበን።

ካብ ሁማን ራይትስ ዋች ነቲ ሓበረታ ዝተቐበለ ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ግን እቲ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ጥቓ `ቲ ግጭት ምህላዉ ድሕሪ ምእማን እኹል ሓለዋ ንገብረሉ ኢና ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG