ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መዓስከራት ኣውላላን ኩመርን ወፂኦም ናብሮም ኣብ ወሰን መንገዲ ዝገበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ትሸዓተ ምቑሳሎምን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ኣውላላን ኩመርን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የጋጥም ብምህላው ስደተኛታት ኣፍጥጥ ናብ ዝተባህለ ሓድሽ መዓስከር ምግዓዝ ከም ዝጀመረ ገሊፁ ኣሎ። እቶም ኣብ ወሰን መንገዲ ዝነብሩ ዘለው ሱዳናውያን ስደተኛታት ግን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ናብ ሳልሳይ ሃገር እንተዘይኮይኑ ናብቲ ሓድሽ መዓስከር ኣይንኸይድን ይብሉ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ