ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣስታት 19 ሽሕ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ምእታዎም ይገልጽ


ፋይል
ፋይል

ኲናት ሱዳን ዝሓለፈ ሚያዝያ 25 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ 19 ሺሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡እቲ ቁጽሪ ክሳብ መወዳእታ'ዚ ዓመት ብዕጽፊ ከምዝውስኽ ድማ ተገሚቱ'ሎ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍ ሓይልን ዝተወልዐ ኲናት፡ ካብ ሱዳን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝሃደሙ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 100 ሺሕ ክኸውን ከሎ መብዛሕቲኦም ድማ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን'ዩ። እንተኾነ ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 19 ሺሕ ሱዳናውያን'ውን ናብታ ሃገር ሰጊሮም ኣለዉ።

ማላካ ኣሕመድ ዓብደላ ቅድሚ ሰሙን ካብ ኻርቱም ሃዲማ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣተወት'ያ። ቅድሚ ምህዳማ በዓልቤታ ኣስቤዛ ክገዝእ ምስ ወጸ ከም ዝተቐተለ ትገልጽ። 13ን 15ን ዓመት ዝዕድሚኦም ደቃ ምስኡ ከም ዝነበሩ'ውን ትገልጽ።

“ዝበዝሐ ክፋል ገዛና ነዲዱን ዓንዩን'ዩ። ወረቐት መንነትና ነዲዱ።ኩሉ ንብረትና ነዲዱ።ክልተ ደቅና ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይፈልጥን። ብህይወት ይንበሩ ኣይንበሩ'ውን ዝፈልጦ ነገር የለን።"

ወዲ 10 ዓመት ወዳ መሓመድ፡ ኣሕዋቱ ከምዝናፈቖም ይዛረብ።“ ተሓጉስና ኢና ንነብር ኔርና። ብሓባር ንጻወትን ንሕጎስን ኔርና። ኩሉ ግዜና ብሓንሳብ ኢና ነሕልፎ ኔርና።"

እዚ ዘሕዝን ዛንታ'ዚ ውልቃዊ ዛንታ ይኹን'ምበር፡ ዕድል ናይቶም ካልኦት ስደተኛታት'ውን ኣብ ሰንፈላል'ዩ ዘሎ።

ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ናብ ተግባራት ዕዮ ሃገሮም ተደሚሮም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። እቶም ስደተኛታት ሱዳን ድማ ኣብ ማባን ዝተባህለ መዕቆቢ ክኣትዉ ይግበር ኣሎ።

ኣብ ከተማ ጁባ ናይ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ተሓላቒ መሰላት ጉጅለ ዳይሬክተር ኤድመንድ ያካኒ እቶም ስደተኛታት ከቢድ ብድሆ ገጢምዎም ከም ዘሎ ይዛረብ።

“እቶም ስደተኛታት ምስ'ቶም ተመለስቲ ደቂ ሃገር ከተወዳድሮም ከለኻ ዝያዳ ብድሆ'ዩ ዘለዎም።ከም ደቂ ሃገር ክርኣዩ ኣይክእሉን'ዮም።"

ገለ ካብቶም ስደተኛታት ሕክምና ከም ዘድልዮም ግን ከምዘይረኽቡ'ዮም ይገልጹ። ፋጢማ ኣቡበከር ሓንቲ ካብኦም'ያ። ብሕማም ኩሊት ከምትሳቐን ናብ ጁባ ክወስድዎ ከም ዝነገርዋ ግን ዛጊት ትፈልጦ ከምዘይብላ ትገልጽ።

እታ ደቃ ኣብ ኻርቱም ዝጠፍእዋ ማላክ ኣሕመድ ሓጅ፡ ወይ ክትሕጎስ ወይ ክትቀብጽ ድሃዮም ክትሰምዕ ትምነ። ኩሉ ነገር ኣብ ኢድ ኣምላኽ'ዩ ድማ ትብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG