ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ደገፍቲ ዴሞክራሲ ፀረ ዕልዋ መንግስቲ ተቓውምኦም ቀፂሎም ኣለው

People chant slogans during a protest in Khartoum, amid ongoing demonstrations against a military takeover in Khartoum, Sudan, Nov. 4, 2021.
People chant slogans during a protest in Khartoum, amid ongoing demonstrations against a military takeover in Khartoum, Sudan, Nov. 4, 2021.

ሱዳናዊያን ጉጅለታት ደገፍቲ ዴሞክራሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ትማሊ ዝጀመረ ናይ ክልተ ማዕልታት ህዝባዊ ዘይምምእዛዝን ኣድማን ወቒዖም።

ብመሰረት ፀብፃብ ሮይተርስ ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ምኽኑይ እዩ ክብሉ ገሊፆሞ ኣለው።

ሓለቕኦም ጀነራል ዓብድል ፋታሕ ኣል ቡርሓን ነቲ ዝመፀ ህዝባዊ ለውጢ ንክቅፅልን ናይታ ሃገር ድሕነትን ምርግ ጋእን ንሕላውን እዮም ናይ መእረምታ ስጉምቲ ወሲዶም ክብሉ ብፌስቡክ ኣብዝተዘርግሐ መደረ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ነቲ ዕላዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ጉጅለታት ነቲ ብሓይሊ ምምንዛዕ ስልጣን ንምቕልባስ ናይ ተቓውሞታት ወፍሪ የዋድዱ ኣለው።

ገለ ፀብፃባት ሚዲያ ከምዝሓበሩዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ምብራቓዊ ከተማ ካርቱም 87 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG