ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ መዚ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምስራት ከምዝሰርሑ ይገልጹ


ፋይል
ፋይል

ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳንን ሓይልታት ደገፍቲ ዲሞክራስን 11 ሚያዚያ 2023 ብስቪላዊ ምምሕዳር ዝምራሕ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝምስርቱ ወሃቢ ቃል ኽልቲኦም ኣካላት ኻሊድ ዑማር ትማሊ ሰንበት ገሊፁ።

ኻሊድ ዑማር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝተበፅሐ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሚያዚያ ክፍረም እዩ ኢሉ።

ሱዳን ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ቡርሓን ብምዕራባዊያን ንዝድገፍ መንግስቲ ብምዕላው ኣብ ጥቅምቲ 2021 ስልጣብ ምስ ሓዘ ናብ ዕግርግር ኣትያ ትርከብ።

ዑማር ትሽዓተ ካብ ደጋፊ ዴሞክራሲ ሓደ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር፡ሓደ ድማ ቕልጡፍ ሓጋዚ ሓይልታት ካብ ዝተባህለ ሓይሊ ብድምር 11 ሰባት ዝሓቖፈ ኮሚቴ ብምምስራት ፍታሕ ንምንዳይ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሒ ናይ ሱዳን ሓያል ሓይሊ ምኳኑ ዝግለጽ ዘይስሩዕ ዕጡቓት ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ንርእሱ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ንመሳርሕቱ ወታሃደራዊ ገዛእቲ ብምጭናቕ ዝሓለፈ ሰሙን ወታሃደራት ኣብ ዋና ከተማ ኻርቱም ክዋፍሩ ኣገዲዱዎም ኣሎ።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዘይስሩዕ ህፁፅ ሓጋዚ ሓይልታት ብዝብል ዝፍለጥን ዓሰርተታት ኣሽሓት ተዋጋእንት ናይ ዘለዎ ሰራዊት ኣዛዚ እዩ። ሰፊሕ ናይታ ሃገር ማዕድን እውን ይቆፃፀር። ቅድሚ ሓደ ዓመት ስልጣን ናይ ዝሓዘ ቤት ምኽሪ ገዛኢ ሱዳን ምኽትል መራሒ እውን እዩ።

ሐመድቲ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ዳጋሎ ኣብ ቀረባ እዋን ካብቶም ወታሃደራዊ መሻርኽቱ ብምስሓብ ምስ ናይ ስቪል ፖለቲካዊ ጥምረት ሓባራዊ ባይታ ረኺቡ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ እዚ ድሕሪ ዲሞክራሲያዊ ስግግር እውን ከም ዓብዪ ሰብ ዘቑፅሮ እዩ።

XS
SM
MD
LG