ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ንወታሃደራት ሰላምታ ክህቡ ዘርእይ ቪድዮ ምዝርግሑ ሮይተርስ ሓቢሩ


ወትሃደራዊ ዩኒፎርም ዝለበሱ አዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ኻርቱም ንኣባላት ሰራዊት ሰላምታ እናቅረቡ ከለው ዘርኢ ቪድዮ ሎሚ ዓርቢ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብመሰረት ኣብቲ ከባቢ ዝረኣዩ ህንጻታት:ጎደናታትን ኣግራብን ኻርቱም ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። እንተኾነ፣ እቲ ቪድዮ መዓስ ከምዝተቀረጸ ሮይተርስ መረጋገጺ ኣይረኸበን።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ነፈርቲ ውግእ ትማሊ ሓሙስ ንደቡባዊ ኻርቱም ደብዲበን ክብሉ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ። እቲ ውግእ፣ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣፈናቂሉ፣ ንነበርቲ ኻርቱም ድማ ንዕለታዊ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅዎ ይርከብ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና እቲ ውግእ ኣብ ዞባ ዳርፉር፣ ሰሜን ኮርዶፋን ካልኦት ከባቢታትን’ውን ተወሊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG