ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ሓዱሽ ቀዳማይ ምንስቴር እታ ሃገር ክሽወም ይፅበዩ ኣለው


ወታደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሓን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብባዕሎም ዝምራሑ ሓድሽቲ ኣባላት ናይ ስግግር ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምምስራቶም ሱዳናዊያን ሓዱሽ ቀዳማይ ምንስቴር ክሽወም ይፅበዩ ኣለው።እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ወታደራዊ ሰበስልጣን ሱዳን እታ ሃገር ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክትምለስ ድርድር ክጅመር ምሕፅንታ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሱዳናዊያን ኣብ ትሕቲ ፅላል ማሕበር ሰብሙያ ሱዳንን ኮሚቴ ተቓውሞን ብስቪል ናብ ዝምራሕ ስግ ግር ክምለስ ብምሕታት ቀዳም ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ናይ ሱዳን ኮሚቴ ሓካይም ኣብ ካርቱም ኣርባዕተ ኣብ ኦምዱርማን ሓደ ብድምር ሓሙሽተ ሰባት ብጥይትን ብመንብዒ ጋዝን ተቐቲሎም ክብል ገሊፁ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG