ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም “ተዛማዲ ርግኣት” ኣብ ዘለዎም ስፍራታት ሱዳን ሓገዝ ይጅምር


ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP)፡ ኣብቶም ተዛማዲ ርግኣት ዘለዎም ከተማታት ከሰላን ገዳርፍን፡ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ምጅማሩ ወኪል እቲ ቤት ጽሕፈት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። በቲ ወጺኡ ዘሎ ፕሮግራም ንኣስታት 380-ሽሕ ሓደስቲን ዝጸንሑን ተመዛበልቲ ንምዕንጋል ከም ዝከኣል እቲ ዜና ይሕብር።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ በቲ ኣብ ካርቱም ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ተዅሲ፡ ሓገዝ ንምብጻሕ ከም ዘይከኣለ ጠቒሱ። ክልተ ኣዘዘቲ ጀነራላት ንምቍራጽ ተዅሲ ደኣ ይሰማምዑ እምበር፡ ትማሊ ሓሙስ’ውን፡ ኣብ ካርቱም፡ ሓሓሊፉ ተዅስታት ይስምዕ ምንባሩ ወኪልና ካብ ፖርት-ሱዳን ልኢኹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ኲናት ሱዳን ካብ ዝጀመረሉ 15 ሚያዝያ፡ ዛጊት ኣስታት 30-ሽሕ ሱዳናውያን ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ክሰግሩ እንከለዉ፡ ክንድኦም ዝዀኑ ድማ ናብ ደቡብ ሱዳን ምስጋሮም ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ከም ጸብጻብ እቲ ትካል ኣስታት 47-ሽሕ ዜጋታት ሱዳን ናብ ግብጺ፡ ከምኡ ድማ ኣስታት 10-ሽሕ ናብ ማእከላይ ርፓብሊክ ኣፍሪቃ ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ።

ብድምሩ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 128-ሽሕ ዜጋታት ንመንበራቶም ገዲፎም ከም ዝተሰደዱ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ቍጽሪ ናብ 900-ሽሕ ክዓቢ ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይእምት።

XS
SM
MD
LG