ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ጎጭት ይቕጽል፡ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ንኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ግፍዒ ይነጽጉ


ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት'ታ ሃገርን ሓይሊታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍን ዝጀመረ ኲናት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዘቑጸረሉን ደው ናይ ምባል ኣንፈት ኣብ ዘይርኣየሉን ዘሎ ሕጂ እዋን ትማሊ ሰንበት 16 ሓምለ 2023 ነፈርቲ ንኻርቱም ከምዝደብደባን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ኸኣ ኲናት ምጉህሃሩን መሰኻኽር ገሊፆም።

ነፈርቲ ኲናት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምብራቃዊን ሰሜናዊ ምዕራብን ኻርቱም ኣብ ልዕሊ መደበራት’ቲ ወሃቢ ሓይሊ’ዩ ዝተባህለ ቦታታት ምድብዳበንን እቲ ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ’ዉን ፀረ-ነፈርቲ ብምትኳስ ምላሽ ምሃቡ መሰኻኽር ዓይኒ ምግላጾም ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ሰብ ኣልባ ነፈርቲ (ድሮናት) ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ’ውን ኣብ ኻርቱም ንዝርከብ ዝዓበየ ወታሃደራዊ ሆስፒታል ዒላማ ምግባረንን ተገሊፁ’ሎ። ብቐዳም’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት 22-ሰባት ምቁሳሎም'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ዳርፉር’ውን ኣብ ዝሰፍሓ ከባቢ ዝኸፍአ ኲናት ምክያዱ መሰኻኽር ሓቢሮም’ለዉ። ነበርቲ ኣባላት ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ ኣባይቲ ከም ዝዘርፉ ተዛሪቦም’ለዉ።

እቲ ሓይሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኸኣ ተዓዊተ ኢሉ’ሎ።

ካብ 48-ሚልዮን ህዝቢ ሱዳን እቲ ርብዒ ዝነብረሉ ዞባ ዳርፉር ጎንፅን ጅምላዊ ሞትን ዓሌት ተኮር ቅንፀላታትን ከም ዝፍጸሙ ጸብጻባት ይገልፁ። ፈፀምቱ ኸኣ ሓይልታት ወሃቢ ደገፍን ተሓባበርቱ ሚሊሽያታት ዓረብ’ዮም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG