ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ከመዛብል ይኽእል’ዩ” ሕ/ሃ


ፋይል -ኡምዱርማን
ፋይል -ኡምዱርማን

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን በዚ ዘለዎ ፍጥነት እንተ ቀጺሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሸውዓት ኣዋርሕ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ነታ ሃገር ገዲፉዋ ክኸይድ ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጀነቫ ኣብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ተስፋታት ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ዘይርኣየሉ ዘሎ እዋናት፡ እቲ ግጭት ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ንስደት ክደፍእ ምዃኑ ገምጊሙ። እዚ ብሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ዘሎ ኣሃዝ ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋናት’ዩ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ክልተ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ብዝተወልዐ ጎንጺ፡ ከም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዛጊት ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቱዎ ድማ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ወይ ንደገ ኣማዛቢሉ ኣሎ።

እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ብቐንዱ ኣብ ካርቱም ደኣ ጽዒቑ ይርአ’ምበር፡ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፎር’ውን ካልእ መልክዕ ሒዙ ብኣዝዩ ኣሰካፊ ተርእዮ ይቕጽል ኣሎ። ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ወኪላት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጠቕሱዎ፡ ኣብ ዳርፎር ናይ ዓረብ ዘርኢ ዘለዎም ምልሻታት ነቶም ጸለምቲ ነበርቲ ብፍሉይ የጥቅዑዎም ስለ ዘለዉ፡ ሓያሎ ንጫድ ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለው።

እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ኣብ ዳርፎር ዝርአ ምትፍናን ኣቐዲሙ ዝጸንሐ’ዩ። እንተዀነ ሕጂ ኣባላት ሰራዊት ቅልጡፍ ወሃብ-ደጋፍ ኣብ ልዕሊ እቶም ጸለምቲ ደቀባት ዝጸንሖም መጥቃዕቲ ኣሐይሎም ኣለዉ። ብሰንኪ’ዚ ዝተሓደሰ መጥቃዕታት ድማ ናብ ጫድ ዝውሕዙ ቍጽሮም ወሲኹ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክሳብ ሓደ ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ጫድ ተዓቒቦም ምህላዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ብምኽንያት ሎሚ ዝዝከር በዓል ዓዲ-ኣልኣድሓ ብተናጸል ተዅሲ ናይ ምቍራጽ ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ኣፍሊጦም። ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ጀነራል ሒመቲ፡ ብድምጺ ቀሪጹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንሰሉስ ክሳብ ረቡዕ ዝጸንሕ ምዃኑ ጠቒሱ። ጀነራል ኣል-ቡርሃን ድማ ሰሉስ ብመገዲ ቴለቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ እቲ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦ ስጕምቲ ሎሚ ረቡዕ ክጸንዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብቲ ንምቍራጽ ተዅሲ ዝጽውዕ ናይ ቴለቪዥን መልእኽቱ ግን ካልእ ጻውዒት’ውን ሓዊሱ ነይሩ። መንእሰያት ሱዳን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ምክልኻሎም ክጽንበሩ እቲ ኣዛዚ ሓቢሩ። እቲ ጻውዒት ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኰይኖም ክሕግዙ ወይ ድማ ብኣካል ክስለፉ ዝሕብር’ዩ። እቲ መልእኽቲ ናይ ክተት ጻውዒት ወይ ድማ ሓፈሻዊ ለበዋ እንተ ነይሩ ግን ኣይነጸረን።

ኣብ ወርሒ ግንቦት’ውን ካብ ሰራዊት ንዝተፋናው ተመሳሳሊ ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ። ኣብ እዋኑ እቲ ብሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝቐረበ ምሕጽንታ፡ ኵላቶም ኣባላት ነበር ኣንጻር ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ደጋፍ ክስለፉ ዝጽውዕ’ዩ።

ውጽኢት እቲ ግጭት ኣብ ምዕራብ ዳርፎር’ዩ ብዝኸፍአ መልክዑ ዝንጸባረቕ ዘሎ ናይቲ ከባቢ ሱልጣን ናይ ጸለምቲ ዓሌታት ዳርፎር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘመተ ጃምላዊ ምጽናት ዓሌት የጋጥም ምህላዉ ሓቢሩ'ሎ። እቲ መራሒ ቀቢላ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ኣውራጃ ጀኔና ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዜጋታት ተቐቲሎም፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 560-ሽሕ ዜጋታት እቲ ከባቢ መንበሪታት ገዲፎም መብዛሕትኦም ንግብጺ ሰጊሮም ኣለዉ።

ንዘተ ሰላም፡ ብኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝተበገሰ ፈተነታት ውጽኢት ኣይሃበን። ከም ካርቱም ዝበላ ቀንዲ ከተማታት፡ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ኰይኖም ስለ ዝዋግኡ፡ ንሲቪላውያን ዜጋታት ጅሆ ናይቲ ውግእ ገይሮሞም ኣለዉ። ምስኡ ዝተሓሓዝ ድማ ኣብቲ ንሳቶም ዝነጥፉሉ ከባቢ መዝረፍቲን ጾታዊ ዓመጻትን ብተደጋጋሚ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣዛዚ እቲ ፍሉይ ኣሃዱ ዝዀነ ጀነራል ሒመቲ፡ ነቲ ብሰራዊቱ ተፈጺሙ ዝብሃል መግሃስታት መርሚራ እትቐጽዕ ውሽጣዊት ኮሚተ ከቝም ምዃኑ ብሰኑይ ሓቢሩ። ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ ግን እቲ ገበናት ገሊኡ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ምትእስሳር ዘለዎም ዝፍጹምዎ ዘለዉ’ዩ ኢሉ። ከም ኣገላልጻ ሒመቲ፡ ንሰራዊት ወሃብ ድጋፍ ንምኽፋእ፡ ናታቶም ክዳን ለቢሶም ገበናት ይፍጽሙ ኣለዉ ኢሉ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ኣብታ ሃገር ክነጥፉ ዝጸንሑ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታትን ሓደስቲ ጎንጺ ይውላዕ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ጎንጺ ብቐንዱ ኣብ ሰሜናዊ ናይል ዝርአ ዘሎ ኰይኑ፡ ንኣሽሓት ዜጋታት ንኢትዮጵያ ክሃድሙ ከም ዝገበረ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ። ብዝሒ ግዳያት ናይዚ ካልእ ውሽጣዊ ጎንጺ ግን ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG