ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ከተማታት ሱዳን ምቕጻሉ ነበርቲ ይገልጹ


ኻርቱም- ፋይል
ኻርቱም- ፋይል

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ርእሰ ኸተማ'ታ ሃገር ኻርቱም ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ኣብ ልዕሊ መጻርርቱ ሓይሊ ወሃቢ ደገፍ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ፈጺሙ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆስፒታል ጉድኣት ከምዝወረደ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ብመንጎኝነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝተሽምገለ ኣብ ጅዳ ዝተካየደ ልዝብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ እንተበጽሑ ኣብ ኻርቱምን ኣሓት ከተማታት ባሕሪን ኡምዱሩማንን ግን ጽዑቕ ኲናት ይካየድ'ሎ።

በቲ ወሃቢ ደገፍ ሓይሊ ዝተመሓላለፈ ናይ ድምጺ መልእኽቲ መራሒኡ መሓመድ ሃምዳን ደጋሎ ኣብ ውግእ ተቀቲሉ ወይ ቆሲሉ እዩ ዝብል ወረ ነጺግዎ'ሎ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተወለዐ እቲ ወሃቢ ደገፍ ሓይሊ ናብ ሰራዊትን ሰንሰለት እዚ እቲ ዝምስረት ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ብዝምልከት ዘሎ ውጥን ምስሕሓብ ብምፍጣሩ'ዩ።

እቲ ጎንጺ ዛጊት 200-ሽሕ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙን ልዕሊ 700-ሽሕ
ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ገዲዱ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሰላማውያን ሰባት ሓለዋ ምግባርን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበጽሕን መንገዲ ንምፍጣርን ኣብ ዝብሉ ክልቲኦም ናይ መረዳድኢ ሰነድ ይፈርሙ ደኣ እምበር ኣብ ትግባረኡን ምቁራጽ ተጻብኦን ግን ገና ክዝረበሉ ዘለዎ እዩ።

XS
SM
MD
LG