ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃገራት ብስእነት ጸጥታ ሱዳናውያን ስደተኛታት ሻቕሎቱ ይገልጽ


ፋይል
ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዓከር ኣዋላላ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ዝበዝሑ ስደተኛታት ነቲ መዓስከር ገዲፎም ኣብ ጽርግያ ይቕመጡ ምህላዎም ሻቕሎቱ ገሊጹ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብ 1 ግንቦት ኣትሒዞም፡ ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ ስርቂ፡ መጥቃዕቲን ሰጊእና ብምባል ነቲ መዓስከር ገዲፎም ኣብ ጽርግያ ክቕመጡ ጀሚሮም’ዮም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ኣዋላላን ኩመራን ካብ መተማ ኣስታት 70 ኪሎ-ሜተር ዝርሕቕ ኰይኑ፡ ድሕሪ ግጭት ሱዳን ካብታ ሃገር ዝሃደሙ ተመዛበልቲ ዝዕቁቡሉ’ዩ።

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት“ኣብቲ መዓስከር ዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ እንኮላይ ንሰራሕተኛታትና ሓዊሱ ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ” ኢሉ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበራ ትካል ሕክምና ግብረ-ሰናይ ዝሰርሕ ውልቀሰብ ኣብቲ ክልል ምቕታሉ’ውን ይዝከር።

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ብዘሎ ሓበሬታ፡ መዓስከር ኩመር ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ስደተኛታት ሒዙ ነይሩ። መዓስከር ኣዋላላ ድማ ኣስታት ክልተ ሽሕ ስደተኛታት ኣለዎ። መብዛሕትኦም ሱዳናውያን፡ ኤርትራዊያንን ከምኡ’ውን ደቡብ ሱዳናውያን ምዃኖም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኢትዮጵያ ንኡጋንዳ ስዒባ ካብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ስደተኛታት ኣዕቊባ ዘላ ሃገር’ዩ። ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣዕቊባ ከም ዘላ ድማ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ሱዳን ብወገና፡ ዝሓልፈ ዓመት ሚያዝያ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር 1.8 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ጎረባብቲ ተሰዲዶም ምህላዎም ይንገር።ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ተመዛቢሎም ዘለዉ ድማ 8.8 ሚልዮን’ዮ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG