ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ይዅንን


ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ - ፋይል
ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ - ፋይል

ቤት ጽሕፈት ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ንልዕሊ 800-ሽሕ ሲቪላውያን ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ ብምባል ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ።

መግለጺ ዋና ጸሓፊ ከም ዝጠቕሶ፡ ኣብቲ ሲቪላዊ ህዝቢ ብብዝሒ ዝነብረሉ ከባቢ ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ ብረት’ውን ምህላዉ፡ ንኣሽሓት ሲቪላውያን ዜጋታት የካላብንት ይሃርምን ኣሎ ኢሉ።

ኣብቲ ብስም ወሃብ-ቃል ዋና ጸሓፊ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ኵላቶም ተዋጋእቲ ንኣህጉራዊ ስምምዓት ተኸቲሎም ንውሕስነት ሲቪላውያን ዜጋታት ክሕልዉን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ከፍቅዱን ጸዊዑ። መግለጺ ዋና-ጸሓፊ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት መጥቃዕቲ ምግባርን ንሰብኣዊ ሓገዝ ምቍራጽን ምስ ገበናት ኲናት ከም ዝጽብጸብ ኣስሚሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG