ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ኣዘዘቲ ኲናት ንተወሳኺ ምቍራጽ ተዅሲ ተሰማሚዖም


ክልቲኦም ወታሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን፡ ነቲ እዋኑ ኣብቂዑ ዝነበረ ምቍራጽ ተዅሲ ናብ ተወሳኺ 72 ሰዓታት ከናውሑዎ ከም ዝተሰምማዑ ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጦም።

እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብኽልተ ወገናት ክፈርስ ጸኒሑ’ዩ። እንተዀነ፡ ሕጂ ክልቲኣቶም ወገናት ንስለ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ምቍራጽ ተጻብኦ ከንዋሑ ምስምማዕም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሰለስተ ሰራሕተኛቱ ድሕሪ ምቕታሎም ስራሓቱ ደው ኣቢሉዎ ዝጸንሐ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ስራሓቱ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

እቲ ውግእ ብቐንዱ ኣብ ካርቱም’ዩ በርቲዑ ቀንዩ። በቲ ኲናት ልዕሊ 500 ክሞቱ እንከለዉ፡ ዝያዳ ሓሙሽተ ሽሕ ድማ ምቝሳሎም ንሕክምናዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። እቲ ኣሃዝ ግን ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ፈላሚ ሕክምናዊ ረዲኤት ናብታ ሃገር እኳ እንተኣተወ፡ እቲ ኲናት ቀጺሉ ስለ ዘሎ ሰራሕተኛታት ዛጊት ሓገዝ ከባጽሑ ኣይከኣሉን።

XS
SM
MD
LG