ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ካብ መዝገብ እገዳ በጻሕቲ ምእመናን እስላም ምምሕዳር ትራምፕ ተሓኺኻ


ሱዳን ምስ ካልኦት ካልኦት ሓሙሽተ ሃገራት ማለት ምስ ሶርያ ሊብያ ሶማል ኢራንን የመንን ኣብ ዝርዝር መዝገብ እገዳ በጻሕቲ ሃገራት እስላም ምምሕዳር ትራምፕ ኣትያ ድሕሪ ምጽናሕ: ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝወጸ ሓድሽ ዝርዝር ግን ካብቲ መዝገብ ከምዝወጸት ተሓቢሩ።

ቀንዲ ምኽን ያት መልዓሊ ሱዳን ብወግዒኳ እንተዘይተገልጸ እቲ መዝገብ ንካልኦት ሰለስተ ሃገራት ማለት ቨንዝወላ ሰሜን ኮርያን ኣፍሪቃዊት ሃገር ጫድን ሓዊሱ ከምዝወጸ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዛህራ ቢሉ ዝተባህለት ቆንስል ርክባት ኣመሪካውያን እስላም እዚ ሓድሽ ዝወጸ እገዳ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ዝሓይሽ ከምዘይኮነ እያ ትገልጽ።

እዚ እገዳዚ ብዝተፈላለየ ፍርዳዊ ውሳነታት ክናዋሕን ክጓተትን ድሕሪ ምጽናሕ ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣወጀ ግዝያዊ እገዳ ኣብ ዘብቅዓሉ እዚ ሓድሽ እገዳ ተግባራዊ ክኸውን ዩ ተመሓላሊፉ።

እዚ ሓድሽ እገዳዚ ንኽንደይ ከምዝጸንሐ ኣይገልጽን እዩ።

XS
SM
MD
LG