ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ምስ ዶብ ኤርትራ ዘሎ መተሓላለፊ መስመራት ክዕጾ ከምዝአዘዘት ተገሊጹ


ገዛኢ ከተማ ከሰላ ሱዳን ምስ ዶብ ኤርትራ ዘሎ መተሓላለፊ መስመራት ክዕጾ ከምዝአዘዘ መንግስታዊ መሓውራት ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሱና እቲ ምዕጻው ኸም አካል ናይቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ግዝኣታት ሰሜን ኩርዳፍን ከሰላን ዝተአወጀ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ጊዜ አዋጅ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሸር ምዃኑ'ዩ።

እቲ ኣዋጅ አካል’ቲ ኣብ ዳርፉር፡ ብሉ ናይልን ዝተጀመረ አንጻር ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝካየድ ዕጥቂ ምፍታሕ’ዩ ክብል'ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

ወታሃደራት ኣብቲ ዶብ ከምዝተመደቡ ሰለስተ ነበርቲ ከተማ ከሰላ ንኣገልግሎት ሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG