ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሒሜቲ ኣብ ዝርርብ ምቍራጽ ተጻብኦታት ከም ዝሳተፍ ገሊጹ፡ ቡርሃን ግን ኣየነጸረን


መራሒ ሰራዊት ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) - ፋይል
መራሒ ሰራዊት ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) - ፋይል

መራሒ ሰራዊት ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ኣብቲ ንዝመጽእ ወርሒ ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝካየድ ርክብ ንዘተ-ሰላም ክልተ ሓይልታት ሱዳን ክሳተፍ ምዃኑ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ገሊጹ። ተቐናቕናኡን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ግን ኣብቲ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝሳለጥ ዘተ ልኡኻት ክሰድድ እንተዀይኑ ዛጊት ንጹር የሎን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እቲ ተበግሶ ንሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን ንዘላቒ ሰላም መንገዲ ንምኽፋን ቍልፊ ምዃኑ ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG