ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንታት ክልቲአን ሱዳናት ዝርርቦም ቐፂሎም


Sudanese President Omar al-Bashir (Center L) shakes hands with his South Sudanese counterpart Salva Kiir (Center R)
Sudanese President Omar al-Bashir (Center L) shakes hands with his South Sudanese counterpart Salva Kiir (Center R)
ፕሬዝዳንታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንኻልኣይ ማዕልቲ ኣብዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ኣይክኣሉን።እቲ ዝርርብ ኣብ ዘሰሓሕብ ጉዳያት ነዳድን ዶብን ዘተኮረ እዩ።እቲ ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ሱዳን ኦማር ኣል-በሽርን ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ሳል ቫኪርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ብዙሓት ኣፀገምቲ ፈተናታት ክሓልፍ ኣለዎ።
ፕሬዝዳንት በሽርን ፕሬዝዳንት ኪርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርርቦም ዝጀመሩ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ነይሮም።እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ጉዳያት ፀጥታ ዶባት ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝዘተዩ እንትኾኑ’ውን እቲ ምዕባለ ኣዝዩ ዝሕቱል እዩ።
ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ሱዳን ኤል ኦቦይዲ ብራሪያህ እቶም ፕሬዝዳንትታት ዝርርቦም ሎማዕንቲ ሰሉስ’ውን ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ናይ 22 ኪሎሜትርን ኣብየይን ዝብሉ ክልተ ዛዕባታት ጥራሕ ከምዝተረፉን ኣብዞም ዛዕባታት እዚኦም ሎማዕንቲ ሰሉስ ከምዝቕፅልሉን እቶም ወሃቢ ቃል ሓቢሮም።
ክልቲአን ሃገራት ብነዳዲ ሃብታም ንዝኾነ ከባቢ ኣብየይ ይግብኣኒ ይብላ።ክልቲኦም ወገናት ሕብረት ኣፍሪካ 22 ኪሎ ሜትር ናይ ክልቲአን ዶባት ካብ ወታደራት ነፃ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ንዘቕረቦ ሓሳብ ንምጥያሽ ብዛዕባ ዝከኣለሉ እናተዘራረቡ እዮም።
ክልቲኦም ፕሬዝዳንታት ተዘራሪቦም ኣብዞም ጉዳያት እዚኦም ኣብ ፍታሕ ከብፅሑዎ ኣለዎም።ኣብ ጉዳያት ኣብየይ፡ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ነፃ ብዛዕባ ዝኾኑ ከባቢታትን ኣብ ጉዳያት ፀጥታን ክሰማምዑ ኣለዎም።
XS
SM
MD
LG