ሱዳንን ደቡብን ሱዳንን ብዛዕባ ኣሰሓሓቢ ዞባ ኣብየይ ኣብስምምዕ በፂሖም።እዚ ሎሚ ሶኒ ዝተፈፀመ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ኣብ ኣጠቓቕማ ቃላት ንማዕልታት ክዛተዩ ድሕሪ ምፅንሖም እዩ ተደፂሙ። ኣብ ክልተ ናይ ዶብ ክፍለ-ግዝኣታት ከቢድ ግጭት ይካየድ ስለዘሎ እቲ ቅልውላው ናብ ሰብኣዊ ህልቂት ንኸይንህር ስግኣት ከምዘሎ ካብ ሱዳን ዝመፀ ዜና ይሕብር።
በቲ ውፅኢት ዕግበት ዝተሰምዖም ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሚስተር ታቦ እምቤኪ “እቲ ውዕል፣ ኣብየይ ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ነፃ ክትኸውንን ብሕቡራት መንግስታት ዝተፈቐደሉ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ንኽዋፈረሉን ይፅውዕ” ኢሎም።
እምቤኪ ብምቕፃል ‘’ኣብቲ ዝባ ዘለው ወታደራዊ ሓይልታ ሱዳን ካብቲ ከባቢ ክወፁ እዮም።ካልኦት ወታደራዊ ሓይልታት እውን ካብ ኣቢየይ ክወፁ ኣለዎም።ወትሃደራት ሓርነት ሱዳን ኣብቲ ከባቢ እንተሃሊዮም’ውን ካብቲ ቦታ ወፂኦም፣ሕቡራት መንግስታት ፍቓድ ምስሃበ ወታደራት ኢትዮጵያ ክኣትው እዮም’’ይብሉ።
ሕቡራት መንግስታት ምስፈቀደ ሓደ ብርጌድ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ናብ ኣብየይ ከምዝዋፈሩ ሚስተር እምቤኪ ይገልፁ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ዓቃቢ-ሰላም ኣብየይ ንክዋፈሩ ዝእዝዝ ረቂቕ ውሳነ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝዝርጋሕ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩ-ኤስ ሱዛን ራይዝ ኣፍሊጠን።
ሚስተር እምቤኪ ካብቲ ስነስርዓት ምፍርራም ወፂኦም ከይደንጎዩ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ምቅናዕ ብናይ ቪዲዮ ኮንፈረንስ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት መብርሂ ሂቦም።
እቲ ሎማዓንቲ ሶኒ ዝተፈረመ ስምምዕ ካብቲ ከባቢ ዝተፈናቐሉ ናብ መንበሪኦም ንኽምለሱ መንገዲ ዘጣጥሕ እዩ ይብሉ ሚስተር እምቤኪ።ድሕሪ 9 ሓምለ ኣዋጅ ነፃነት ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ መፃኢ ዕፃ ኣብየይ ዝርርብ ክካየድ እዩ።
ስምምዕ ኣብየይ ብዛዕባ ተዃሳሕቲ ጉዳያት ምምቓል ማሸጣ ነዳድን 38 ቢሊዮን ዶላር ዕዳ ሱዳንን ንምዝርራብ ወሳኒ ምዃኑ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
ብዝተኣሳሰረ ምዕባለ ጉዳይ ወትሃደራት መንግስቲ ምስ ተፃባእቶም ንሰሙናት ክዋግኡላ ዝቀነዩላ ክፍለግዝኣት ኮርዶፋን ፅባሕ ሰሉስ ዝርርብ ከምዝጅመር ሚስተር እምቤኪ ኣፍሊጦም ኣለው።በቲ ዅናት ተቐርቂሮም ንዝርከቡ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ንምቕራብ ግዚያዊ ምቑራፅ ተኹሲ ንምትግባር ዝነበረ ተስፋ እናፀልመተ ይመፅእ ኣሎ።