ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸፈተ ልዝብ ሰላም ክልቲኤን ሱዳን ተቋሪፁ


ክልቲኤን ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸፈተኦ ልዝብ ፀጥታ ተቋሪፁ።
እቲ ናይ ሎም-ቅነ ኣኼባ‘ውን ማዕረ‘ቶም ዝፈሸሉ ቀዳሞት ኣኼባታት፣ ተረርቲ ቃላት ዝተቃልሕሉ ኮይኑ‘ሎ።

ወኪል ደቡብ ሱዳን ፔጋን ኣሙም፣ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ ናብ‘ቲ መድረኽ ልዝብ ምምላስ መኽሰብ ኣለዎ እንተኾይኑ ኣይተረደአንን ኢሎም።

”ሱዳን ቅርብቲ ስለዘይኮነር‘ዩ እቲ ልዝብ ሰላም ፈሺሉ ዘሎ።ድልየት ካርቱም ንዓና ምጥቃዕ‘ዩ።ድልየት ካርቱም ንህዝብና ምቅታል‘ዩ።ምስኣቶም ክንላዘብ‘ዶ ይግባእ? ልቦናን፣ኣይፋሉን ይብለና‘ሎ” ኢሎም ኣሙም።

ይኹን‘ምበር ንልዝብ ድሕሪ ወርሒ ክንምለስ ኢና ኢሎም ኣሙም ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ።ግን ምዕይ ዘይብል ልዝብ ስለዝኾነ ንውሕ ዝበለ ቆፀራ ምሓዝ ተመራፃይ‘ዩ‘ውን ኢሎም።

ምንስትር ምክልኻል ሱዳን ዓብደል ራሒም መሓመድ ሑሴን ብወገኖም፣ ንተግባር ደቡባውያን ብምንፃግ፣ሕልሚ ጎበጣ መርየት ሓዲሩዎም‘ሎ ይብሉ።

”ኣብ ሕ/መ ዘዳለዎ ካርታ ዘይነበረ ሓድሽ ከባቢ ስለዝሓወሱሉ፣እቲ ዘቅረብዎ ካርታ ነገር ፃሕታሪ‘ዩ።ንከምኣበዬይ ዝበሉ ዘይናቶም ዓሰርተ ከባቢታት ክጎብጡ‘ዩ ድላዮም።ሰላም ዝደልዩ ንምኻኖም ዝሕብር ምልክት የለን።ክወሩና ስለዝደለዩ፣እቲ ዘቅረብዎ ካርታ ነገረኛ‘ዩ” ባሃላይ’ዮም እቶም ምንስትር መከላኸሊ።

ሸምገልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ግና፣ኣብ ተፃባኣይ ሃዋሁ‘ውን እንተሃለና፣እቲ መስርሕ ልዝብ፣ንጊዚኡ ተቋረፀ‘ምበር ኣይፈሸለን ይብሉ።

XS
SM
MD
LG