ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳንን ደቡብ ሱዳን ካሊእ ዙር ዝርርብ ጀሚረን


ክልቲአን ሃገራት ሕዚ’ውን ኣፍፈላላየን ሰፊሕ እዩ ተባሂሉ

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ካሊእ ዙር ዝርርብ ጀሚረን።ዋና ተደራዳሪ ደቡብ ሱዳን ፓጋን ኣሙም ናብቲ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣደራዳሪነት ናብ ዝካየድ ናይ ዓሰርተ ማዕልታት ዝርርብ ኣኼባ ዝኣተወ ካርቱም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርርብ እንተቐረበት’ውን ኣብ ባይታ ናይ ተፃብኦ ተግባራት ትፍፅም ኣላ ክብሉ ብምኽሳስ ነይሮም።

መንግስቲ ሱዳን ነጋሪት ዅናት ኸበሮ ይውቅዕ ስለዘሎ ስግኣት ኣለና ዝበሉ ኣሙም ኣስዒቦም ከምዚ ይብሉ‘’ብኣበሃህልኦም እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳም ዅናት ንምኽፋት እናተዳለው እዮም።እዚ ኣብ እንዘራረበሉ ዘለና ኣብዛ ሕዚ እዋን’ዃ መሪሕነት መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ተፃብኦ እዚ እዮም ተፀሚዶም ዘለው።’’

ኣሙም ነዚ ዝተዛረቡ ኣብቲ ዓለምለኸ ዶባት ብዝግባእ ኣብዘይተፈለየሉ ከባቢታት ሓዱሽ ግጭት ይፍጠር ኣብዘለሉ እዋን እዩ።ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ይፍፀም ብዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ሓዱሽ ህውከት ንኸይልዓል ብምስጋእን ሰባት ናብ ናይ ደቡብ ሱዳን መዕቖቢ ጣብያታት እናሃደሙ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ’ሎ።

ፓጋን ኣሙም ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብዝሓለፈ ወርሒ እቲ ዝርርብ ብዘይፍረ ካብዘብቅዕ ጀሚሩ ኣወንታዊ ምዕባለ ኣይተርአየን ኢሎም።ሱዳን ንመተሓላለፊ ሓደ በርሚል ነዳዲ 36 ዶላር ንክኽፈላ ኣብ እትሓተሉ ዘላን ደቡብ ሱዳን ድማ ንሓደ በርሚል ነዳዲ 69 ሳንቲ ጥራሕ እየ ዝኸፍል ኣብ እትብለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልቲኦም ወገናት ሰፊሕ ኣፈላላይ ሒዞም ቀፂሎም ኣለው።

ኣሙም ሃገሮም ዝሓዘቶ መርገፂ ከምእትቕፅለሉን ሱዳናዊያን 69 ሳንቲም እንድሕር ዘይቕበሉ ኮይኖም ስምምዕ ዝብሃል ነገር ከምዘይህልን ግልፂ ገይሮም። እቲ ዝርርብ ኣብ ሕቶ ኣብዝኣተወሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ዓለም ለኸ ማሕበርሰብ ክልቲኦም ወገናት ዝሓዝዎ ፅኑዕ መርገፂ ንኽገድፉ ፀቕጢ ንኽገብር ዝፅውዕ መግለፂ ትማሊ ሰኒ ኣውፂኡ ኣሎ።

እቲ መግለፂ ኣብ ሰለስቲኦም ዛዕባታት ማለት’ውን ኣብ መቐሎ ኣታዊ ነዳዲ፡ሕቶታት ዜግነትን ጉዳይ ዶብን ህፁፅ ኣወንታዊ ምዕባለ ክረአ ኣለዎ ይብል።

XS
SM
MD
LG