ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ንደቡብ ሱዳን ነዳዲ ንኽየትልእኽ ኸልኪላታ ንዝብል ፀብፃብ ነፂጋቶ


ኣሙም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ናይ ነዳዲ ኣታዊ ምሓዝ ምስ ተግባር ዅናት ዝመጣጠን እዩ ይብሉ።

ሱዳን ደቡብ ሱዳን ነዳዲ ብሸምብቆ ንኸይትልእኽ ኸልኪላ ንዝብል ፀብፃባት መራኸቢ ብዙሃን ነፂጋቶ።ዘይተኸፈለ ዕዳ ንምኽፋል እያ ነዳዲ ተወስድ ዘላ ትብል ሱዳን።

ላዕለዋይ ተደራዳሪ ሱዳን ሳቢር ሞሓመድ ሓሳን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ነዳዲ ምሕላፍ ተዓፂዩ ኢሎም ምስ ዝሃብዎ ካሊእ ብዓል ስልጣን ዝገራጨ መግልፂ ትማሊ ረቡዕ ሂቦም።ሓሳን ንሮፖርተራት ኣብ ዝብሃብዎ መግለፂ ግን መንግስቲ ካርቱም ጁባ ንናይ መመሓላለፊ ዝኸውን ኽፍሊት ክሳብ ትሰማማዕ ካብ ናይ ደቡብ ሱዳን ናብ ወፃኢ ካብ እትልእኾ ነዳዲ ብሚእታዊ ክወስድ እዩ ኢሎም።

ንሶም እቲ ኽፍሊት ብበርሚል ነዳዲ ተሰሊሑ ከምዝሰዱ ወሲኾም ሓቢሮም።

ዋና ተደራዳሪ ደቡብ ሱዳን ፓጋን ኣሙም እቲ ኽፍሊት ብሓይሊ ምምንዛዕ ኣዩ ኢሎምዎ።ኣሙም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ናይ ነዳዲ ኣታዊ ምሓዝ ምስ ተግባር ዅናት ዝመጣጠን እዩ ይብሉ።

ብምስዓብ ከምዚ ይብሉ’’ሕዚ መንግስቲ ሱዳን ሃብትን ገንዘብን ህዝቢ ደቡቢ ደቡብ ሱዳን ንምዝራፍ ይደሊ ከምዘሎ ንፁር ኮይኑ’ሎ።ኣረኣእይኦም ናይ ሓይሊ እዩ።ነዳዲ ንኸይሓልፍ ብምኽልካል ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብዅናት እዮም ዘፈራርሕዎ ዘለው።እዚ ቅሉዕ ዘረፋ እዩ።’’ኢሎም።

ኣሙም ንጋዜጠኛታት ከምዝተዛረብዎ እቲ ናይቲ ዝርርብ ድምፀት ሰሜንን ደቡብ ሱዳን ናብ ግጭት ክኣትዋ ክኽእላ እየን ዝብል ስግኣት ሓፍ ንኽብል ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ብዛዕባ መቐሎ ኣታዊ ነዳዲ ካሊእ ዙር ዝርርብ ን 20 ታሕሳስ ኣ/ፈ ከምዝካየድ ሰበስልጣን ይዛረቡ።እቲ ድርድር ብናይ ቀደም ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ታቦ ኢምቤኪ ብዝምራሕ ብላዕለዋ ኣታዓራቒ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪካ እዩ ዝካየድ።

XS
SM
MD
LG