ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝሰርሓ ዝነበራ ሰለስተ መሓውራት ዜና ኣጊዳ


ፋይል
ፋይል

ሱዳን ሰለስተ ናይ ዓረብ መሓውራት ዜና ኣብታ ሃገር ክሰርሑ ዝተዋህቦም ፍቓድ ኣይተሓደሰን ከምኡ እውን መንግስቲ ዘይሞያዊ ሓበሬታ የመሓላልፉ ኣለው ብዝብል ከምዝከልከሎም ተገሊጹ።

ሚንስትሪ ባህሊን ሓበሬታን ሱዳን ብመንግስቲ ስዑዲ ዝውነን ኣል-ዓረብያን ኣልሓዲሳን ከምኡ እውን ብሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዝውነን ስካይ ኒውስ ኣብታ ሃገር ከምይሰርሑ ምክልካሉ ኣፍሊጡ።

“ግሉጽነትን ሞያውነት ብምጉዳሎም” ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ክሰርሑ ዝተዋህቦም ፍቓድ ብዘይምሕዳሶም እቲ ውሳነ ምሕላፉ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ገሊጹ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን እቲ ስጉምቲ ንናጽነት ፕረስ ዝግሕስ እዩ ክብል ተቃውምኡ ኣስሚዑ’ሎ።

ብመሰረት ንናጽነት መሓውራት ዜና ዝሕለቕ ጉጅለ ሪፖርተራት ብዘይዶብ ኣብ 2023 ዘውጽኦ ናጽነት ፕረስ ሃገራት ዝምልከት ዝርዝር ሱዳን ኣብ መበል 148 ምስራዓ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG