ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብ ክልተ ምምቃላን፡ ሕቶ ናጽነት ኣብ ኦጋደን ዝህልዎ ጽልዋን


ናጽነት ደቡብ ሱዳን ፡ ሰላምን ሓርነትን ህዝቢ የምጽእ`ዶ ዝብል ሕቶ ብሕጂ ዝርኣይ`ዩ ይብሉ ክኢላታት`ቲ ዞባ

ዶ/ር ጋይም ክብርኣብ ካብ ለንደን፡ ዶ/ር ግላውዴዎስ ኣርኣያ ካብ ኒው ዮርክ፡ ክልቲኦም ንሱዳን ሓዊስካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሰፋሕትን ዓመቑትን መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘበርከቱ`ዮም። ንሱዳን ዘመሓድር ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ንሰሜን ሱዳን ብትሑት ደረጃ ከማዕብል`ኳ እንተፈተነ ንደቡብ ሱዳን ግን ፈጺሙ ረሲዕዎ`ዩ ይብሉ። ድሕሪ ናጽነት ሱዳን`ውን እንተኾነ፡ መንግስቲ ካርቱም ንደቡብ ከማዕብሎ ኣይተንቀሳቐሰን ይብሉ።

ክልቲኦም ምሁራት ብዛዕባ ናጽነት ደቡብ ሱዳንን ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዞባ ኦጋደን ዘሎ ሕቶ ናጽነትን ኣመልኪቶም ክዛረቡ ኸለዉ፡ ኩሉ ናጽነት ዝደሊ ህዝቢ ናጽነት ይረክብ ማለት ኣይኮነን፡ ጥጡሕ ፖሊቲካዊ ሃዋህው፡ ሓያል መሪሕነትን ዓለማዊ ድጋፍን የድልየካ ኢሎም። በዚ መንጽር`ዚ ክርኣይ ኸሎ፡ እቲ ናይ ናጽነት ጽልዋ ዝህሉ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ተግባራዊ ንምግባር ኣጸጋሚ`ዩ ኢሎም።

ናይ`ዚ መደብ ቀዳማይ ክፋል ነዚ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ጠውቑ፡

ካልኣይ ኽፋል ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG