ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዅናት ተጋፊሑ ቀፂሉ


ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽር ሸቶና ንገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ሱዳን ካብ ስልጣን ምብራር እዩ ኢሎም

ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ይካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ካልኦት ዶብ ክልቲአን ሃገራት’ውን ተጋፊሑ ቐፂሉ።ሓይልታት ክልቲአን ሃገራት ካብ ትማሊ ሰሉስ ለይቲ ጀሚሮም ክሳብ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ጥቓ ከተማ መይራም ኣብ ከቢድ ውግእ ተፀሚዶም ኣለው።

እታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ደቡብ ሱዳን እያ ትርከብ።

ንከባቢ ሀግሊግ ዳግም ንምቁፅፃር ይፍትኑ ንዘለው ሓይልታት ሱዳን ኣንፈቶም ንምስሓት ውግእ ንዝኸፈቱ ወታደራት ደቡብ ሱዳን ተሳዒሮም ክብላ መራኸቢ ብዙሃን ሱዳን ፀብፂበን ኣለዋ።ደቡብ ሱዳናዊያን ዓብዪ ሰብኣውን ናውታውን ኪሳራታት ኣጋትIሙዎም ኣሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።ካብ ጁባ ዝተውሃበ መልሲ የለን።

ደንጉዩ ብዝበፅሐና ዜና ድማ ፕሬዝዳንት ሱዳን ኦማር ኣል-በሽር ንገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ሱዳን ካብ ስልጣን ከውርዶ እየ ክብሉ ቃል ኣትዮም።

እቶም ፕሬዝዳንት ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ካርቱም ንዝተኣከቡ ሰባት ከምዝገለፅዎ ቀንዲ ዕላማ ሱዳን ብናቶም ቃል ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ካብ ገዛኢ ፓርቲ ግንባር ሓርነት ሱዳን SPLM ነፃ ምውፃእ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG